13 እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኣውዲቕዎ፥ እንተይተፀናተወ ብድንገት ሰብ ንዝቐተለ ግና፥ ንሱ ዝሃድመሉ ቦታ ኽገብረልካ እየ።
ንጉስ ግና “ኣቱም ደቂ ፅሩያ፥ ምሳኻትኩም እንታይ ኣለኒ? እቲ ዝረግመኒ ዘሎስ፥ እግዚኣብሄር ‘ንዳዊት ርገሞ’ ኢሉ ኣዚዝዎ እንተ ኾነ ንእግዚኣብሄር ‘ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብር?’ ዝብሎ መን እዩ?” በሎ።
ንሱ ግና ኸምኡ ኣይሓስብን፤ ብልቡውን ከምኡ ኣይመስሎን፤ ግና ምጥፋእን ውሑዳት ንዘይኮኑ ኣህዛብ ምቍራፅን ኣብ ልቡ ኣሎ።
ሕያዋይ ሰብ ካብ ምድሪ ጠፊኡ እዩ። ኣብ ማእኸል ሰባትውን ቕኑዕ የለን። ኵላቶም ደም ንምፍሳስ የድብዩ። ነፍሲ ወከፍ ከዓ ንሓዉ ብመርበብ ንምሓዝ ይከታተሎ።
እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ሽዱሽተ ኸተማታት፥ ሰብ ዝቐተለ ሃዲሙ ዝዕቈበለን፥ መዕቘቢ ይኹና። ብተወሳኺ ድማ ኣርብዓን ክልተን ከተማታት ሃብዎም።
“ኣብቲ እትወርስዎ ርስትኹም፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትወርስዋ ዝህበኩም ምድሪ፥ ንኣኻትኩም ኣብ ልዕሊ እቲ ዝመሓላለፈልኩም ርስቲ እቶም ቀዳሞት ዝደረትዎ፥ ደረት ብፃይኩም ኣይትድፍኡ።”
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
እግዚኣብሄር ሎሚ መዓልቲ ኣብቲ በዓቲ ኽቐትለካ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበኒ በዒንትኻ ርኢኻ ኣለኻ። ገሊኣቶም እኳ ኽቐትለካ መኺሮምኒ ነይሮም። ኣነ ግና፥ ‘ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ንጐይታይ ክቐትል ኢለ ኢደይ ኣየልዕልን እየ’ ኢለ ራህራህኹልካ።
እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እንተሎስ፥ ንኣይ ብዘይ ምቕታልካ ንስኻ ፅቡቕ ከም ዝገበርካለይ፥ ሎሚ ኣርአኻኒ።
ሽዑ እቶም ሰዓብቱ “እታ እግዚኣብሄር ‘ነቲ ፀላኢኻ ኸም ድልየትካ ኽትገብሮስ፥ እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ’ ዝበለካ መዓልቲ እኒሃ ሎሚ እያ” በልዎ። ዳዊት ድማ ሰላሕ ኢሉ ኸይዱ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረፀ።