10 ካልአይቲ ሰበይቲ እንተ ኣምፅአሉ ድማ፥ ንኣኣ ቐለብን ክዳንን ከም ሰበይቱ ዝግባእ መሰል ኣየጕድለላ።
ነዝ ሰለስተ ነገር እዙይ እንተ ዘይገበረላ ግና ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ የውፅኣያ።
ንወዱ እንተ ኣመርዓዋ ግና ኸምቲ ንኣዋልድ ዝግበር ይግበረላ።