9 ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ፤ ኵሉ ተግባርካውን ግበር።
ሽዱሽተ መዓልቲ ኣክቡ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ሰንበት ስለ ዝኾነት፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣይርከብን እዩ” በሎም።
“ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኻ ግበር፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ብዕራይካን ኣድግኻን፥ እቲ ኣብ ገዛኻ ዝተወልደ ባርያኻን፥ እቲ ስደተኛን ምእንቲ ኸዕርፉ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕርፍ።
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኻ ስራሕ፤ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ኵሉ ብመዓልቲ ሰንበት ስራሕ ዝሰርሕ ይቀተል።
“ሽዱሽተ መዓልቲ ስርሑ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ኣዕርፉ። ጊዜ ማሕረስን ዓፂድን እንተ ኾነውን፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕርፉ።”
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኹም ስርሑ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት፥ በዓል ዕረፍቲ ትኹነልኩም፤ ብኣኣ ስራሕ ዝሰርሐ ዅሉ ይቀተል።
ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ሰፈርኩም ሓዊ እኳ ኣይተንድዱ።”
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ፥ እታ ውሽጣዊት ዓፀድ በተን ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ ክትዕፆ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ግና ኽትክፈት፥ ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒውን ክትክፈት እያ።
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ ይሰራሕ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንቕዱስ ጉባኤ ዝፅውዑላ ሰንበት፥ ዕረፍቲ እያ። ኣብ ዝኾነ ይኹን እትነብርዎ ስፍራ ብመዓልቲ ሰንበት ኣይትስርሑ፤ ሰንበት ናተይ ናይ እግዚኣብሄር እያ።
እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ግና፥ ኢየሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ተቘጢዑ፥ ነቶም ህዝቢ “ክስርሐለን ዝግባእ ሽዱሽተ መዓልቲታት ኣለዋኹም። እምበኣር በተን ዕለታት እቲኣተን መፂእኹም ተፈወሱ እምበር፥ ብዕለተ ሰንበት ኣይኮነን” ኢሉ ተዛረቦም።
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ፥ ኵሉ ተግባርካ እውን ግበር።