7 “ስመይ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል፤ እግዚኣብሄር ንስሙ ብኸንቱ ዘልዓለ ካብ በደል ኣየንፅሆን እዩ እሞ።
ይስሓቅ ከዓ ንወዱ “ወደይ፥ ከመይ ኢልካ ኽንድዙይ ብቕልጡፍ ረኺብካ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናባይ ስለዘቕረቦ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
ሕዚ ኸዓ ብዘይ ቅፅዓት ኣይትሕደጎ። ንስኻ ጥበበኛ ሰብ ኢኻ እሞ እትገብሮ ባዕልኻ ትፈልጥ፥ ንሲበቱውን ምስ ደም ናብ መቃብር ኣውርዶ።”
ንሱ ርሕቕ ኢሉ ምስ ከደ፥ ኣገልጋሊ ኤልሳዕ ዝኾነ ግያዝ “ጐይታይ ንሶርያዊ ምንም እንተይተቐበለ ኣሰናቢትዎ፥ ብስም እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ ብፍጥነት ኣርኪበ፥ ካብኡ ሓደ ነገር ክረክብ ኣለኒ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።
ንሳቶም ብተንኰል ይዛረቡልካ እዮም፤ ፀላእትኻውን ብኸንቱ ይዕምፁኻ።
ግና ተመሊስኩም ንስመይ ኣርከስኩምዎ፤ ነቶም ሓራ ኣውፂእኹም፥ ናብ ዝደለይዎ ክኸዱ ዝሰደድኩምዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መለስኩምዎም፤ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮትኩም ጌርኩም ከዓ ገዛእኹምዎም።
ሽዑ ‘እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢልካ ብሓቅን ብቕንዕናን ብፅድቅን እንተ መሓልካ፥ ኣህዛብ ከዓ ብእኡ ኽባረኹን ብእኡ ድማ ኽምክሑን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
እቲ ቅዱስ ስመይ፥ ኣብ ማእኸል ህዝበይ እስራኤል ከፍልጦ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ እቲ ቅዱስ ስመይ ክረክስ ኣይፈቅድን እየ፤ እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ናይ እስራኤል ቅዱስ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”
ስም ኣምላኽካ ኸይተርክስ፥ ብስመይ ብሓሰት ኣይትምሓል፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እቲ ናብ ቆሮንቶስ ዘይምምፃአይ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዝራህራህኹልኩም ከም ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍርሕዎ፤ ንእኡ ኣምልኹ፤ ናብኡ ኸዓ ቕረቡ፤ ብስሙ ጥራሕ መሓሉ።
እግዚኣብሄር፥ ንስሙ ብኸንቱ ዘልዕል ካብ ሓጢኣት ኣየንፅሆን እዩ እሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።
“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍርሑ፤ ንእኡ ጥራሕ ኣምልኹ፤ ብስሙውን መሓሉ።
ኣብ ርእሲ እዙይ፥ ኣሕዋተይ፥ ኣይትምሓሉ። ብምድሪ ኾነ ብሰማይ ወይ ብኻልእ ነገር ኣይትምሓሉ፤ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከይትወድቁ ድማ፥ እቲ ቓልኩም፥ እወ እንተ ኾይኑ እወ፥ ኣይኮነን እንተ ኾይኑ ኣይኮነን፥ ይኹን።
ሕዚ ኸዓ በይዛኻትኩም፥ ኣነ ፅቡቕ ገይረልኩም እየ እሞ፥ ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ምሕረት ክትገብሩላ፥ ነቦይን ንኖይን ነሕዋተይን ነሓተይን ንዅሎም ሰቦምን ብህይወት ክትሓድግዎም፥ ካብ ሞት እውን ክተድሕኑና ብእግዚኣብሄር መሓሉለይ፤ ዘተኣማምን ምልክት ከዓ ሃቡኒ” በለቶም።
እቶም ሰባት ከዓ “ንሕና ነዝ ዘምሓልክና ማሕላ ኽንሕልዎ ኢና።
ብዛዕባ እቲ ዝመሓልናሎም ማሕላ መዓት ከይወርደናስ እዙይ ንግበረሎም፤ ብህይወትውን ንሕደጎም በልዎም።