16 “ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ብሓሰት ኣይትመስክር።
ብልሳኑ ዘይጥብር፥ ንመሓዛኡ ኽፉእ ዘይገብር፥ ቤተሰቡውን ዘይፀርፍ፥
“ወረ ሓሰት ኣይትቀበል። ሓሲኻ ንኽትምስክርውን ምስ ዓማፂ ኢድካ ኣይተልዕል።
ፅልኢ ዝሓብእ ሓሰውቲ ኸናፍር ኣለዋኦ፤ ሓሜት ዝዝርግሕ ከዓ ዓሻ እዩ።
ክሓሚ ዝዘውር ምስጢር የውፅእ፤ ብመንፈስ እሙን ዝኾነ ግና ንነገር ይስውር።
ሓሳዊ ምስክር እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን፤ እቲ ሓሰት ዝዛረብ ከዓ ኻብ መቕፃዕቲ ኣየምልጥን።
እቲ ኣብ ብፃዩ ብሓሰት ዝምስክር፥ ከም መዶሻን ሰይፍን በሊሕ ፍላፃን እዩ።
ኣይትስረቕ፤ ኣይትኽሓድ፤ ንስንሳትኩም ሕሶት ኣይትነጋገሩ።
ኣብ ማእኸል ህዝብኻ ሓሜት ክትነዝሕ ኢልካ ኣይትዙር፤ ኣብ ልዕሊ ደም ብፃይካ ኣይትቑም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ንሓደ ኻብ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን፤ ንብፃይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ኣፍቅሮ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ንሱ ድማ “ኣየነአን እየን?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቅ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤
ወታደራት ድማ “ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “ንሓደኳ ኣይትግፍዑ፤ ብሓሰትውን ኣይትኽሰሱ፤ ደመወዝኩም ይእኸልኩም” በሎም።
“እዝ ሰብ እዙይ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ቕዱስ ስፍራን፥ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴን፥ ምፅራፍ ኣቋሪፁ ኣይፈልጥን” ዝብሉ ሓሰውቲ መሰኻኽር ኣተስኡሉ።
ኵሉ ምረትን፥ ንደትን፥ ቍጥዓን፥ ሁከትን፥ ፀርፍን፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ።
ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ብሓሰት ኣይትመስክር።
ንዘመውቲ፥ ግብረ ሰዶም ንዝገብሩ፥ ነቶም ሰብ ዝሸጡ ነጋዶ፥ ንሓሰውቲ፥ ነቶም ብሓሰት ዝምሕሉ፥ ነቶም ንቕኑዕ ትምህርቲ ዝፃረር ዝገብሩ ዅሎም እዩ።
ፍቕሪ ዘይብሎም፥ ይቕረ ዘይብሉ፥ ሓመይቲ፥ ርእሶም ዘይቈፃፀሩ፥ ጨካናት፥ ሰናይ ዘይፈትዉ፥
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ንስንሳትኩም ኣይትተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዝሓሚ ወይ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ዝፈርድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር እዩ ዝሓሚ፤ ኣብ ልዕሊ ሕጊ እውን ይፈርድ፤ ንሕጊ ትፈርድ እንተ ደኣ ዄንካ፥ ፈራዲ እምበር ፈፃሚ ኣይኮንካን።