12 “ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር።
ዮሴፍ ከዓ ንደቁ ኻብ ሕቝፊ ኣቦኡ ኣግልስ ኣቢሉ ብገፁ ናብ ምድሪ ሰገደ።
ደቂ ያእቆብ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞም ገበሩሉ።
ቤርሳቤህ ብዛዕባ ኣዶንያስ ኽትዛረብ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣተወት። እቲ ንጉስ ከዓ ኽቕበላ ተስአ፤ ኢድ ነሲኡላ ድማ ኣብ ወንበር ተቐመጠ፤ ንኣኣውን መንበር ከምፅኡላ ኣዘዘ እሞ ብየማኑ ተቐመጠት።
ኤልሳዕ ከዓ ነዙይ ሪኡ “ኣቦይ! ኣቦይ! ናይ እስራኤል ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን” ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ፤ ብድሕሪኡውን ኣይረአዮን። ነቲ ኽዳኑ ሒዙ ድማ ኣብ ክልተ ተርተሮ።
“ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝወቕዐ፥ ይቀተል።
“ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝፀረፈ፥ ይቀተል።
ሰነፍ ንምኽሪ ኣቦኡ ይንዕቖ፤ ዘለፋ ዝቕበል ግና፥ በዓል ኣእምሮ እዩ።
ንኣረጋውያን ዘውዶም ደቂ ደቆም እዮም፤ ንቘልዑ ኸዓ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም።
እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝፀርፍ፥ ግብ ኣብ ዝበለ ፀልማት መብራህቱ ይጠፍእ።
እቲ “ሓጢኣት ኣይኮነን” እናበለ፥ ካብ ኣቦኡን እኖኡን ዝሰርቕ፥ ዓርኪ ሰራቒ እዩ።
ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፥ ኣብ ፀጋማ ኸዓ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ።
“ነቦኡ ዝረግሞ፥ ንኖኡ ኸዓ ዘየመስግን ትውልዲ ኣሎ፤
“ናይቲ ነቦኡ ዘባጭወሉ፥ ንኖኡ ኸዓ ዝንዕቓን ዘይእዘዛን ኣዒንቲ፥ ኳዃት ሩባ ኽጕጥጕጥወን፥ ጨቃውቲ ንስሪ ኸዓ ኽበልዕወን እዮም።”
ኤርሚያስ ንሬካባውያን ከምዙይ በሎም፦ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንትእዛዝ ኣቦኻትኩም ኢዮናዳብ ስለ ዝተኣዘዝኩም፥ ንዅሉ ትእዛዙ ኸዓ ስለ ዝሓለኹም፥ ከምቲ ዅሉ ንሱ ዝኣዘዘኩምውን ስለ ዝገበርኩም፥
ኣባኺ ነቦን ንኖን ነዓቑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ንመፃእተኛ ገፍዑ፤ ኣባኺ ንደኽታምን ንመበለትን ጨቈኑ።
ነፍሲ ወከፍኩም እኖኡን ኣቦኡን ይፍራሕ። ሰናብተይ ከዓ ሓልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ኣብ ቅድሚ ኣረጋዊ ተስእ፤ ንሽማግለውን ኣኽብር፤ ንኣምላኽካ እውን ፍራሕ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ኣቱም ስመይ እተቃልሉ ኻህናት፥ “ውሉድ ነቦኡ፥ ባርያውን ንጐይታኡ የኽብር እዩ፤ እምበኣር ኣቦ እንተ ኾይነ፥ ክብረተይ ኣበይ ኣሎ? ጐይታ እንተ ኾይነኸ፥ ተፈራሕነተይ ኣበይ ኣሎ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና፥ “ስምካ ዘቃለልናዮ ኸመይ እዩ?” ትብሉ ኣለኹም።
ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ብፃይካውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” በሎ።
ትእዛዛት ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣይትዓምፅ፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር!” በሎ።
ሙሴ፥ ‘ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ሕማቕ ቃል ዝተዛረበ ብርግፅ ይቀተል’ ኢሉ ኣሎ።
ነተን ‘ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር’ ዝብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ” በሎ።
ንክርስቶስ ካብ ዘለኩም ፍርሓት፥ ንስንሳትኩም እዙዛት ኩኑ።
“እምበኣር ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት ሓልውዎ፤ ሽዑ ኽትሕይሉ፥ ናብታ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ኸዓ ኽትኣትዉ ኢኹም።
ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩምን ንዘርኦምን ክህቦም ዝመሓለሎም፥ ኣብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፥ እዝ ሎሚ ንኣኻትኩም ዝእዝዞ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛት ሓልዉ።
“ንሓደ ሰብ፥ ህልኸኛን ዓመፀኛን፥ ቃል ኣቦኡን ቃል እኖኡን ዘይሰምዕ፥ እንተ ቐፅዕዎውን ዘይእዘዝ፥ ውሉድ እንተ ሃለዎ፥
ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ትኽክልን ቅኑዕን ሚዛን ይሃሉኹም፤ ትኽክልን ቅኑዕን መስፈሪውን ይሃሉኹም።
ኣቦኡን እኖኡን ዘቃልል ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።
እዝ ቓል እዙይ ህይወትኩም እዩ እምበር፥ ከንቱ ቓል ኣይኮነን፤ ኣብታ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ድማ በዝ ቓል እዙይ ዕድሜኹም ክተንውሑ ኢኹም፤” በሎም።
ካብታ ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከም እትጠፍኡ ኣነ ሎሚ ንሰማይን ምድርን ኣመስክረልኩም ኣለኹ። ፈፂምኩም ክትፈልሱ ኢኹም እምበር ነዊሕ ዘመን ኣይትነብርዋን ኢኹም።
ንኣኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ሰናይ ምእንቲ ክኾነልኩም ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንሓዋሩ ዝህበኩም ምድሪ መዋእልኩም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኹ ናይ ኣምላኽ ሕግጋትን ትእዛዛትን ሓልውዎ።”
ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ሰናይውን ክኾነልካን፥ ከምቲ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር።
ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ዕድሜኹም ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፥ በቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም መንገዲ ኺዱ።
ንስኻትኩምን ደቅኹምን ደቂ ደቅኹምን ምሉእ ዕድሜኹም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትፈርሕዎ፥ ዕድሜኹም ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ሓልዉ።
ኣቱም ውሉድ፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕስ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።
ናብ ዓውዲ ወሪዳ ድማ፥ ከምቲ ሓማታ ዝበለታ ዅሉ ገበረት።
ካብኡ ድማ ዳዊት ናብ ምፅጳ ናይ ሞኣብ ከደ፤ ንንጉስ ሞኣብ ከዓ “ኣምላኽ ዝገብረለይ ክሳዕ ዝፈልጥስ፥ በይዛኻ ኣቦይን እኖይን ምሳኻትኩም ይፅንሑ” በሎ።