9 እታ ጓል ፈርዖን ድማ “ነዝ ህፃን እዙይ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፤ ኣነ ኸዓ ዓስብኺ ኽህበኪ እየ” በለታ። እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ህፃን ወሲዳ ኣጥበወቶ።
እቲ ህፃን ምስ ዓበየ ኸዓ ናብ ጓል ፈርዖን ኣምፅአቶ፤ ወዳ ድማ ኾነ። “ካብ ማይ ኣውፂአዮ እየ” እንትትብል ከዓ ሙሴ ዝብል ስም ኣውፅአትሉ።
እታ ጓል ፈርዖን ከዓ “ኪዲ” በለታ። እታ ጓል ድማ ኸይዳ፥ ንእኖ እቲ ህፃን ፀውዐታ።