8 እታ ጓል ፈርዖን ከዓ “ኪዲ” በለታ። እታ ጓል ድማ ኸይዳ፥ ንእኖ እቲ ህፃን ፀውዐታ።
ኣቦይን እኖይን ገዲፎምኒ እዮምሞ፤ እግዚኣብሄር ግና ተቐበለኒ።
ሽዑ እታ ሓፍቱ፥ ነታ ጓል ፈርዖን “ካብተን ዕብራውያት ኣንስቲ፥ ነዝ ህፃን እዙይ እተጥብወልኪ መጕዚትዶ ኽፅውዐልኪ ክኸይድ?” በለታ።
እታ ጓል ፈርዖን ድማ “ነዝ ህፃን እዙይ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፤ ኣነ ኸዓ ዓስብኺ ኽህበኪ እየ” በለታ። እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ህፃን ወሲዳ ኣጥበወቶ።
እንበረም ከዓ ንዮካብድ ጓል ሓው ኣቦኡ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ወሰዳ እሞ ንኣሮንን ንሙሴን ወለደትሉ። እንበረም ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።
“ብኣኺ ሓሊፈ ረአኹኺ፤ እንሆ ኸዓ ጊዜኺ፥ እቲ ጊዜ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሐ፥ ዕርቃንኪ ኸወልኩ፤ መሓልኩልኪ፤ ኪዳን ኣተኹልኪ፤ ናተይውን ኮንኪ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።