7 ሽዑ እታ ሓፍቱ፥ ነታ ጓል ፈርዖን “ካብተን ዕብራውያት ኣንስቲ፥ ነዝ ህፃን እዙይ እተጥብወልኪ መጕዚትዶ ኽፅውዐልኪ ክኸይድ?” በለታ።
ነቢይት ማርያም ሓፍቲ ኣሮን ከበሮ ሒዛ ተልዓለት፤ ኵለን ኣንስቲ ድማ ኸበሮ ሒዘን ብስዕስዒት ደድሕሪኣ ወፃ።
ሓፍቱ ድማ እንታይ ከም ዝረኽቦ ኽትፈልጥ ርሕቕ ኢላ ደው በለት።
ምስ ከፈተቶ ድማ ነቲ ህፃን ረአየቶ፤ እቲ ህፃን ይበኪ ስለ ዝነበረ ኸዓ ራህርሀትሉ እሞ “እዙይ ካብ ህፃናት ዕብራውያን እዩ” በለት።
እታ ጓል ፈርዖን ከዓ “ኪዲ” በለታ። እታ ጓል ድማ ኸይዳ፥ ንእኖ እቲ ህፃን ፀውዐታ።
ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረሞ፥ ማርያምን ኣሮንን፥ ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጲያዊት ሰበይቲ፥ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ።
ስም ሰበይቲ እንበረም ዮካብድ ነበረ። ንሳ ኣብ ግብፂ ዝተወልደት ጓል ሌዊ እያ። ንእንበረም ድማ ኣሮንን ሙሴን ማርያም ሓፍቶምን ወለደትሉ።