6 ምስ ከፈተቶ ድማ ነቲ ህፃን ረአየቶ፤ እቲ ህፃን ይበኪ ስለ ዝነበረ ኸዓ ራህርሀትሉ እሞ “እዙይ ካብ ህፃናት ዕብራውያን እዩ” በለት።
ነቶም ዝበደሉኻ፥ ኣብ ቅድሜኻ በደል ዝገበሩ ህዝብኻ ዅሉ በደሎም ይቕረ በለሎም፤ እቶም ዝማረኽዎም ምሕረት ኽገብሩሎም ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ማረኽቶም ምሕረት ሃቦም።
ኦ ጐይታ፥ እዝንኻ፥ ፀሎት ባርያኻን ፀሎት እቶም ስምካ ኽፈርሑ ዝፈትዉ ባሮትካን ይስማዕ። በይዛኻ፥ ሕዚ እውን ንኣይ ንባርያኻ ኣቕንዐለይ፤ ኣብ ቅድሚ እዝ ሰብ እዙይ ከዓ ምሕረት ሃበኒ።” ኣነ ድማ ናይ ንጉስ ኣሰላፊ ወይኒ ነበርኩ።
ኣብ ቅድሚ እቶም ዝማረኽዎምውን፥ ሞገስ ሃቦም።
ፈርዖን ድማ “ኵሉ ኻብ ዕብራውያን ዝተወለደ ወዲ ናብ ሩባ ደርቢይዎ፤ ኣጓላት ዝኾና ግና ብህይወት ክነብራ ሕደግወን” ኢሉ ንዅሉ ህዝቡ ኣዘዘ።
ጓል ፈርዖን ከዓ ኽትሕፀብ ናብ ሩባ ወረደት፤ እተን ኣግራዳ ድማ፥ ወሰና ወሰን እቲ ፈለግ ይዛወራ ነበራ። እታ ጓል ፈርዖን ድማ ኣብ ማእኸል እቲ ሰልሰላ ሓደ ሳፁን ረአየት። ገረዳ ሰዲዳ ከዓ ኣምፅአቶ።
ሽዑ እታ ሓፍቱ፥ ነታ ጓል ፈርዖን “ካብተን ዕብራውያት ኣንስቲ፥ ነዝ ህፃን እዙይ እተጥብወልኪ መጕዚትዶ ኽፅውዐልኪ ክኸይድ?” በለታ።
ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዩ፤ ከም ወሓዚ ማይውን፥ ናብ ዝደለዮ ይመርሖ።
እቲ ኪዳን ከዓ ነፍሲ ወከፎም፥ ዕብራውያን ንዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም ሓራ ኸውፅኡ፥ “ሓደ እኳ ንኣይሁዳዊ ሓዉ፥ ባርያ ኸይገብር” ዝብል ነበረ።
ምስ ተደርበየ፥ ጓል ፈርዖን ኣልዒላ ወዳ ክኸውን ኣዕበየቶ።
እምበኣር ተሳኒኹም ንበሩ፤ ተራሃራህቲ፥ ፍቕሪ ኣሕዋት ዘለኩም፥ ለዋሃትን ትሑታትን ኩኑ።