Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 2:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ጓል ፈርዖን ከዓ ኽትሕፀብ ናብ ሩባ ወረደት፤ እተን ኣግራዳ ድማ፥ ወሰና ወሰን እቲ ፈለግ ይዛወራ ነበራ። እታ ጓል ፈርዖን ድማ ኣብ ማእኸል እቲ ሰልሰላ ሓደ ሳፁን ረአየት። ገረዳ ሰዲዳ ከዓ ኣምፅአቶ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 2:5
12 Referencias Cruzadas  

እቶም ኳዃት ድማ ንግሆን ምሸትን እንጀራን ስጋን የምፅኡሉ ነበሩ፤ ካብቲ ሩባ ኸዓ ይሰቲ ነበረ።


“ምእንቲ ግፍዒ ጥቑዓትን ምእንቲ ብኽያት ምስኪናትን ሕዚ ኽትስእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ድሕነት ክገብር እየ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ክገልፆ እየ።”


ኣምላኽና መዕቘቢናን ሓይልናን፥ ብዝረኸበና ብርቱዕ መከራውን ረዳኢና እዩ።


ሰብ ብፍቓዱ የመስግንካ፤ ካብ ተረፍ ሕሊናኦም በዓልካ ይገብሩ።


እግዚኣብሄር ንድኻታት መፀግዒ ኾኖም፤ ብጊዜ መከራኦምውን ረዳኢኦም እዩ።


ምስ ከፈተቶ ድማ ነቲ ህፃን ረአየቶ፤ እቲ ህፃን ይበኪ ስለ ዝነበረ ኸዓ ራህርሀትሉ እሞ “እዙይ ካብ ህፃናት ዕብራውያን እዩ” በለት።


እንሆ፥ ፅባሕ ንግሆ ፈርዖን ናብ ሩባ ክኸይድ እንተሎ፥ ነታ ናብ ተመን ዝተለወጠት በትሪ ብኢድካ ሒዝካ፥ ኣብቲ ገምገም ሩባ ደው ኢልካ ፅንሓዮ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣንጊህኻ ተስእ፤ ፈርዖን ናብ ማይ እንትወርድ ኣብ ቅድሚኡ ደው በል። እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ኸገልግለኒ ንህዝበይ ክኸይድ ስደድ።


ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዩ፤ ከም ወሓዚ ማይውን፥ ናብ ዝደለዮ ይመርሖ።


እግዚኣብሄር ግና ንዮናስ ዝውሕጥ ሓደ ዓብዪ ዓሳ፥ ኣዳለወ። ዮናስ ከዓ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገበረ።


ሽዑ እግዚኣብሄር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ፤ ንሱውን ንዮናስ ናብቲ ንቑፅ ምድሪ ተፍኦ።


ምስ ተደርበየ፥ ጓል ፈርዖን ኣልዒላ ወዳ ክኸውን ኣዕበየቶ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos