4 ሓፍቱ ድማ እንታይ ከም ዝረኽቦ ኽትፈልጥ ርሕቕ ኢላ ደው በለት።
ነቢይት ማርያም ሓፍቲ ኣሮን ከበሮ ሒዛ ተልዓለት፤ ኵለን ኣንስቲ ድማ ኸበሮ ሒዘን ብስዕስዒት ደድሕሪኣ ወፃ።
ኣነ ኻብ ሃገር ግብፂ ኣውፃእኹኻ፤ ካብ ቤት ባርነትውን ኣድሓንኩኻ፤ ቀቅድሜኻውን ንሙሴን ንኣሮንን ንማርያምን ሰደድኩልካ።
ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናብ ምድረ በዳ ፂን ኣተዉ፤ ኣብ ቃዴስ ድማ ፀንሑ። ማርያም ከዓ ኣብኡ ሞተት፤ ኣብኡውን ተቐበረት።
ስም ሰበይቲ እንበረም ዮካብድ ነበረ። ንሳ ኣብ ግብፂ ዝተወልደት ጓል ሌዊ እያ። ንእንበረም ድማ ኣሮንን ሙሴን ማርያም ሓፍቶምን ወለደትሉ።