Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 2:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ካብዙይ ንደሓር ምሕብኡ ምስ ሰኣነት፥ ብሻምብቆ ዝተሰርሐ ሓደ ሳፁን ወሲዳ ብቕጥራንን ብእንዳዲዕን ለበጠቶ። ነቲ ህፃን ናብኡ ኣእትያ ድማ ኣብቲ ገምገም ሩባ ኣብ ዘሎ ሰልሰላ ኣንበረቶ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 2:3
10 Referencias Cruzadas  

ንስንሳቶም ድማ “ንዑ፥ ጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ንጥበሶ” ተበሃሃሉ። እቲ ጡብ ክንዲ እምኒ፥ እቲ ቕጥራን ክንዲ ጭቃ ኾነሎም።


እቲ ኣብ ጐልጐል ሲዲም ዝርከብ ጐዳጕዲ ድማ ቕጥራን መሊኡ ነበረ። ነገስታት ሰዶምን ገሞራን ክሃድሙ እንተለዉ ኸዓ ኣብኡ ወደቑ። እቶም ዝተረፉ ነገስታት ድማ ናብቲ ጎቦታት ሃደሙ።


ንስኻ ግና ብዕንፀይቲ ጎፌር መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ፤ ውሽጣን ደገኣን ከዓ ብቕጥራን ለምፃ።


ፈርዖን ድማ “ኵሉ ኻብ ዕብራውያን ዝተወለደ ወዲ ናብ ሩባ ደርቢይዎ፤ ኣጓላት ዝኾና ግና ብህይወት ክነብራ ሕደግወን” ኢሉ ንዅሉ ህዝቡ ኣዘዘ።


ኣቱም ቅልጡፋት ልኡኻት ናብቲ ነዊሕ ዝቑመቱ ልሙፅ ህዝቢ፥ ናብቲ ኸም መጀመርታ ዝተፈርሐን ዝሰፍርን ዝረግፅን፥ ሃገሩውን ብሩባታት ዝተመቓቐለ ህዝቢ ኺዱ።


ሩባታት ክጨንዉ እዮም፤ መስኖታት ግብፂውን ክውሕዱን ክነቕፁን እዮም፤ ሰልሰላን ጋሳን ክፅምልዉ እዮም።


ምድሪ ረመፅ፥ ቃላይ፥ ምድሪ ኣፃምእ ከዓ ዓይኒ ማያት ክኸውን እዩ። እታ ወኻሩ መሳፍሮ ገይረናኣ ዝነበራ ስፍራ፥ መብቈል ሰትን ሰልሰላን ሻምብቆን ክትከውን እያ።


ንሳቶም ምስ ከዱ ኸዓ፥ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተርኣዮ፤ “ሄሮድስ ነዝ ህፃን ክቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተስእ፤ ነዝ ህፃንን ንኖኡን ሒዝካ ናብ ግብፂ ህደም፤ ክሳዕ ዝነግረካ ኸዓ ኣብኡ ፅናሕ” በሎ።


ሽዑ ሄሮድስ እቶም ሰብኣ ሰገል ከም ዘላገፁሉ ምስ ተረድአ የመና ተቘጥዐ እሞ፥ ንዅሎም ህፃናት ቤተ ልሔምን፥ ኣብ ኵሉ ኸባቢኣ ንዝነበሩ ህፃናትን፥ ካብ ሰብኣ ሰገል ጠይቑ ብዝተረድኦ ዘመን፥ ሰራዊቱ ልኢኹ፥ ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዝነበሩ ህፃናት ኣቕተለ። ሽዑ እቲ ብነቢይ ኤርሚያስ፦


እዝ ንጉስ እዙይ እቶም ህፃናቶም ብህይወት ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ኣብ ልዕሊ ዓሌትና ብተንኰል ተልዒሉ፥ ነቦታትና ኽሳዕ ናብ ምድርባይ ደቆም ዝበፅሑ፥ ገፍዖም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos