22 ንሳ ድማ ወዲ ወለደት፤ ሙሴ ኸዓ “ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ” እንትብል ጌርሳም ዝብል ስም ኣውፅአሉ።
“ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ጋሻን ስደተኛን እየ። ኣባኻትኩም ርስቲ መቓብር ሃቡኒ፤ ሬሳይውን ካብ ቅድመይ ክቐብር” በሎም።
ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፥ ካብ መንግስቲ ናብ ካልእ መንግስቲ ሓለፉ።
ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኵሎም ኣቦታትና፥ መፃእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና። መዓልቲታትና ኣብ ምድሪ ኸም ፅላሎት ይሓልፋ፤ ንዅልሻዕ ኣብ ምድሪ ዝነብርውን የለን።
ኣነ ኣብዛ ምድሪ ጋሻ እየ፤ ትእዛዛትካ ኻባይ ኣይትሰውር።
ኣነ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ስደተኛ፥ ከም ኣቦታተይውን ጋሻ እየሞ፥ ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስማዕ፤ ንኣውያተይውን ፅን በሎ፤ ንንብዓተይውን ሸለል ኣይትበሎ።
እቲ ህፃን ምስ ዓበየ ኸዓ ናብ ጓል ፈርዖን ኣምፅአቶ፤ ወዳ ድማ ኾነ። “ካብ ማይ ኣውፂአዮ እየ” እንትትብል ከዓ ሙሴ ዝብል ስም ኣውፅአትሉ።
“ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ንስደተኛ ኣይትዓምፅዎ ወይ ኣይትግፍዕዎ።
ሙሴ ድማ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ፥ ኣብ ኣድጊ ኣቐመጦም። ናብ ምድሪ ግብፂውን ተመለሰ። ነታ ናይ እግዚኣብሄር በትሪ ድማ ብኢዱ ሒዙ ኸደ።
ምድሪ ናተይ እያ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ምድረይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፥ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ።
ሙሴ፥ እዝ ዘረባዙይ ምስ ሰምዐ፥ ሃደመ፤ ኣብ ምድሪ ምድያም ድማ፥ ስደተኛ ኾይኑ ተቐመጠ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽልተ ቘልዑ ወለደ።
እቶም ደቂ ዳን ድማ ነቲ ፅሩብ ምስሊ ኽሰግዱሉ ኣቖምዎ። ክሳዕ እታ ሃገር ዝተትሓዘትላ መዓልቲ፥ ዮናታን፥ ወዲ ጌርሳም ወዲ ሙሴ፥ ንሱን ዘርኡን ንነገድ ደቂ ዳን ካህናቶም ኮይኖም የገልግልዎም ነበሩ።
ኣዋርሕ ጥንሳ ምስ ተፈፅመ ሃና ወዲ ወለደት። “ካብ እግዚኣብሄር ለሚነ ዝረኸብክዎ እዩ” እንትትብል ሳሙኤል በለቶ።