2 እታ ሰበይቲ ድማ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። እቲ ህፃን ፅቡቕ ምዃኑ ምስ ረአየት ከዓ፥ ሰለስተ ወርሒ ሓብአቶ።
ምስኣ ተሓቢኡ ኸዓ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሽዱሽተ ዓመት ተቐመጠ። ኣብታ ሃገር ድማ ጎቶልያ ነጊሳ ነበረት።
ሕያዋይ ሰብ ይርህርህን የለቅሕን፤ ንነገሩ ብፍትሒ ይፍፅሞ።
እንበረም ከዓ ንዮካብድ ጓል ሓው ኣቦኡ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ወሰዳ እሞ ንኣሮንን ንሙሴን ወለደትሉ። እንበረም ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።
ስም ሰበይቲ እንበረም ዮካብድ ነበረ። ንሳ ኣብ ግብፂ ዝተወልደት ጓል ሌዊ እያ። ንእንበረም ድማ ኣሮንን ሙሴን ማርያም ሓፍቶምን ወለደትሉ።
ሙሴ ድማ በቲ ዘመን እቱይ ተወለደ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ምልኩዕ ነበረ፤ ሰለስተ ወርሒ ድማ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኡ ፀንሐ።
በቲ ናይ ምድሪ ኽቡር ነገርን ምልኣታን፥ በቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዝነበረ ሞገስውን፥ እዙይ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፥ ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ ዝተፈልየ ዮሴፍ ይውረድ።
ሙሴ ምስ ተወለደ፥ ወለዱ ፅቡቕ ህፃን ምዃኑ ሪኦም፥ ኣዋጅ እቲ ንጉስ እንተይፈርሑ፥ ብእምነት ንሰለስተ ወርሒ ሓብእዎ።
እሴይ ድማ ልኢኹ ኣምፅኦ፤ ንሱ ቐይሕ፥ ኣዒንቱን፥ ትርኢቱንውን ፅቡቕ ነበረ። እግዚኣብሄር ከዓ “ንሱ እዩ እሞ ተሲእኻ ቕብኣዮ” በሎ።