19 ንሳተን ድማ፥ “ሓደ ግብፃዊ ሰብኣይ ካብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣናገፈና፤ ማይ ቀዲሑ ኸዓ ነባጊዕና ኣስተየልና” በላኦ።
ያእቆብ ድማ ንራሄል ጓል ኣኮኡ ላባን ነባጊዕ ኣኮኡን ምስ ረአየ፥ ቀሪቡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዒላ ገምጠሎ። ነባጊዕ ኣኮኡ ላባ ድማ ኣስተየን።
እቶም ኣብታ ምድሪ ዝቕመጡ ከነዓናውያን ድማ፥ ነቲ ኣብ ዓውዲ ኣጣድ ዝኾነ መልቀስ ምስ ረአዩ፥ “እዙይ ዓብዪ መልቀስ ግብፃውያን እዩ” በሉ። ስለዙይ ከዓ “ኣቤል ሚስራይም” ኢሎም ሰመይዋ። ንሳ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ እያ።
ናብ ኣቦአን ራጉኤል ምስ ተመልሳ ኸዓ፥ ንሱ “ሎምስ ከመይ ኢልክን ደኣ ቐልጢፍክን መፂእኽን?” በለን።
ኣቦአን ድማ ነተን ኣጓላት “ኣበይ ደኣ ኣሎ? ስለ ምንታይከ ነቲ ሰብ እቱይ ሓደግክናኦ? ሕዚ እውን እንጀራ ኽበልዕ ኺዳ ፀውዓኦ” በለን።