Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 2:14 - መፅሓፍ ቅዱስ

14 ንሱ ድማ “ሓለቓን ፈራዲን ገይሩ ኣብ ልዕሌና ዝሸመካ መን እዩ? ንስኻ ኸምቲ ትማሊ ነቲ ግብፃዊ ዝቐተልካዮ ኽትቀትለኒ ዲኻ ትደሊ ዘለኻ?” በሎ። ሽዑ ሙሴ “እቲ ዝገበርክዎ ብርግፅ ተፈሊጡ እዩ” ኢሉ ፈርሐ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 2:14
17 Referencias Cruzadas  

ኣብራም ከዓ ንሎጥ “ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ፥ በይዛኻ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፥ ኣብ መንጎ ጓሶተይን ጓሶትካን ባእሲ ኣይኹን።


ንሳቶም ግና “ክላ ዘወር በል። ስደተኛ ኾይኑ ዝመፀስ፥ ዳኛ ኾይኑ ኽፈርድ ይደሊ ኣሎ፤ ካብኣቶም ንኣኻ ኽነግድደልካ ኢና” በልዎ። ንሎጥ ብሓይሊ ጐኒፆም ድማ ማዕፆ ኽሰብሩ ቐረቡ።


ሴኬም ንሓፍቶም ስለ ዘነወራ፥ ደቂ ያእቆብ ናብቲ እቶም ቅቱላት ዘለውዎ መፂኦም፥ ነታ ኸተማ ዘመትዋ።


ቍጥዓ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዝወርድ ኣውሊ እዩ።


ንሰብ ምፍራሕ፥ ኣብ መፃወድያ የእቱ፤ እቲ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና፥ ብሰላም ይነብር።


ኣብ በረኻ ኽትቀትለና ኢልካ፥ ካብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ዘውፃእኻናዶ ውሒዱ እዩ? ሕዚ ኸዓ ኣብ ልዕሌና ኽትጕይተትዶ ትደሊ ኣለኻ?


ናብ ሙሴን ኣሮንን ተኣኪቦም መፁ እሞ፥ “ኵሉ እዝ ህዝቢ ቅዱስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእኸሉ እዩ። ስለ ምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ኴንኩም እትዕበዩ? እምብዛ ኣብዚሕኹምዎ” እናበሉ ተፃረርዎም።


ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኽምህር እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን፥ ናብኡ መፂኦም “በየናይ ስልጣን ነዝ ነገራት እዙይ ትገብር ኣለኻ? ነዝ ስልጣን እዙይከ መን ሃበካ?” በልዎ።


ኢየሱስ ከዓ “ኣታ ሰብኣይ፥ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸመኒ?” በሎ።


ደቂ ዓዱ ግና ፀልእዎ እሞ ‘እዙይ ኣብ ልዕሌና ኽነግስ ኣይንደልን ኢና’ ኢሎም፥ ደድሕሪኡ ልኡኻት ሰደዱ።


ነዞም ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ ዘይደለዩ ፀላእተይ ግና፥ ናብዙይ ኣምፂእኹም፥ ኣብ ቅድመይ ቅተልዎም’ ” በለ።


“ነዝ ኣባና ‘ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፥ መን እዩ ዝሸመካ?’ ኢሎም ዝኸሓድዎ ሙሴ፥ ንእኡ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቈጥቋጥ ብዝተርኣዮ መልኣኽ ገይሩ፥ ሓለቓን መውፅኢ ሓራን ምእንቲ ክኸውን ለኣኾ።


ነቲ ዘይረአ ስለ ዝረአየ ፀንዐ፤ ንቝጥዓ ንጉስ እንተይፈርሐ ድማ፥ ብእምነት ንግብፂ ሓደጋ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos