10 እቲ ህፃን ምስ ዓበየ ኸዓ ናብ ጓል ፈርዖን ኣምፅአቶ፤ ወዳ ድማ ኾነ። “ካብ ማይ ኣውፂአዮ እየ” እንትትብል ከዓ ሙሴ ዝብል ስም ኣውፅአትሉ።
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር መሊሱ “እንሆ፥ ጥንስቲ ኢኺ፤ ወዲ ኸዓ ኽትወልዲ ኢኺ፤ እግዚኣብሄር መከራኺ ሪኡ እዩ እሞ፥ ስሙ እስማኤል በሊዮ።
ኣዳም መሊሱ ንሄዋን ፈለጣሞ ወዲ ወለደት። “ኣምላኽ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል፥ ካልእ ውሉድ ተኪኡለይ” እንትትብል ስሙ “ሴት” በለቶ።
“ሕዚ ኸዓ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብፂ እንተይመፃእኹ፥ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝተወለዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም። ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ እዮም።
ካብ ኣርያም ሰዲዱ ወሰደኒ፤ ካብ ብዙሕ ማያትውን ኣውፅአኒ።
እታ ጓል ፈርዖን ድማ “ነዝ ህፃን እዙይ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፤ ኣነ ኸዓ ዓስብኺ ኽህበኪ እየ” በለታ። እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ህፃን ወሲዳ ኣጥበወቶ።
ወዲ ኽትወልድ እያ፤ ንሱ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ፥ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።”
ሙሴ ምስ ዓበየ፥ ወዲ ጓል ፈርዖን ከይበሃል፥ ብእምነት ኣበየ።
ውሉድ እግዚኣብሄር ተብሂልና ምእንቲ ኽንፅዋዕ፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ኸም ዝሃበና እስኪ ረአዩ! ውሉድ እግዚኣብሄርውን ኢና። ዓለም ንእኡ ስለ ዘይፈለጠቶ እያ፥ ነኣናውን ዘይፈለጠትና።
ኣዋርሕ ጥንሳ ምስ ተፈፅመ ሃና ወዲ ወለደት። “ካብ እግዚኣብሄር ለሚነ ዝረኸብክዎ እዩ” እንትትብል ሳሙኤል በለቶ።