1 ሓደ ኻብ ነገድ ሌዊ ዝኾነ ሰብኣይ፥ ከይዱ ጓል ሌዊ ኣእተወ።
እስራኤልውን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሮቤል፥ ዕቅብቲ ኣቦኡ ናብ ዝኾነት ናብ ባላ ኣተወ። ያእቆብ ድማ ብዛዕባኡ ሰምዐ። ደቂ ያእቆብ ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
ሃዳድ ግና ምስ ውሑዳት ኤዶማውያን ኣገልገልቲ ኣቦኡ ኾይኑ ናብ ግብፂ ሃዲሙ ኸደ፤ ሃዳድ ሽዑ ንእሽተይ ቘልዓ ነበረ።
ስም ሰበይቲ እንበረም ዮካብድ ነበረ። ንሳ ኣብ ግብፂ ዝተወልደት ጓል ሌዊ እያ። ንእንበረም ድማ ኣሮንን ሙሴን ማርያም ሓፍቶምን ወለደትሉ።