9 እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ክዛረበካ እንተለኹ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኽሰምዑ፥ ንሓዋሩ ድማ ምእንቲ ኽኣምኑኻስ፥ እንሆ፥ ኣነ ብኸቢድ ደመና ናባኻ ኽመፅእ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ዘረባ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ነገሮ።
ሽዑ ሰሎሞን “ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፀሊም ደመና ኸም እትነብር ተዛሪብካ ኢኻ።
እቶም ህዝቢ ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ናብ ምድረ በዳ ቴቁሔ ወፁ። ክወፁ እንተለዉ ድማ ኢዮሳፍጥ ደው ኢሉ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን ስምዑኒ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እመኑ እሞ ፅኑዓት ክትኮኑ ኢኹም፤ ብነቢያቱውን እመኑ እሞ ኽቐንዐኩም እዩ።”
ሽዑ ሰሎሞን “እግዚኣብሄር፥ ኣብ ግብ ዝበለ ፀልማት እነብር እየ” በልካ።
ደመናን ጣቓን ኣብ ዙርያኡ እዮም፤ ፅድቅን ፍትሕን ናይ ዙፋኑ መሰረት እዮም።
ብዓምዲ ደመናውን ተዛረቦም፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ዝሃቦም ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ሓለዉ።
ደቂ እስራኤል ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ግብፃውያን ዝገበሮ ዓብዪ ኢድ ምስ ረአዩ፥ ንእግዚኣብሄር ፈርሕዎ። ብእግዚኣብሄርውን ኣመኑ፤ ብባርያኡ ሙሴውን ኣመኑ።
በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኽወግሕ እንተሎ ኸዓ፥ ነጐድጓድን መብረቕን ከቢድ ደመናን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ እምባ ተርኣየ፤ የመና ብርቱዕ ድምፂ መለኸትውን ተሰምዐ። እቲ ኣብ ሰፈር ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ድማ ተንቀጥቀጠ።
እቲ ህዝቢ ርሕቕ ኢሉ ቖመ፤ ሙሴ ግና ናብቲ እግዚኣብሄር ዘለዎ ፀልማት ቀረበ።
እግዚኣብሄር ድማ ብደመና ወሪዱ ኣብ ጥቓ ሙሴ ደው በለሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ኣወጀ።
እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝተመልከቶም፥ መከራኦምውን ከም ዝረአየ ምስ ሰምዑ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
ብዛዕባ ግብፂ ዝተነግረ ፆር። እንሆ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፈጣን ደመና ተቐሚጡ ናብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ። ጣዖታት ግብፂ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ ልቢ ግብፃውያን ከዓ ኽመክኽ እዩ።
ርእሲ ኤፍሬም ሰማርያ፥ ርእሲ ሰማርያውን ወዲ ሮሜልዩ እዩ። “እምበኣር እምነትኩም እንተ ዘይፀንዐ፥ ፈፂምኩም ክትቆሙ ኣይትኽእሉን።”
እግዚኣብሄር ከዓ ብዓምዲ ደመና ወረደ፤ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ደው ኢሉ ድማ ንኣሮንን ንማርያምን ፀውዖም፤ ክልቲኦም ከዓ ቕርብ በሉ።
ጴጥሮስ ገና እዙይ እናተዛረበ እንተሎ ደመና ኸወሎም፤ እንሆ ድማ ኻብቲ ደመና “ዘፍቅሮ፥ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።
ብሩህ ደመና መፂኡ ድማ ሸፈኖም፤ ካብቲ ደመና ኸዓ፥ “እዙይ እቲ ዝፈትዎ ወደይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።
እቲ ንኣኻትኩም ዝሰምዕ፥ ንኣይ እዩ ዝሰምዕ፤ እቲ ንኣኻትኩም ዘይቕበል፥ ንኣይ እዩ ዘይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዘይቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዘይቕበል።”
በታ ኣብ ኮሬብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝቖምኩምላ መዓልቲ፥ ‘እቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ዝነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ንኣይ ምፍራሕ ምእንቲ ኽመሃሩን ንደቆም ድማ ምእንቲ ኽምህርዎምን፥ ቃለይ ክሰምዑ ናባይ ኣክቦም’ ኢሉ እግዚኣብሄር ተዛረበኒ።
ምእንቲ ኽምህረኩም፥ ካብ ሰማይ ድምፁ ኣስምዐኩም፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ዓብዪ ሓዊ ኣርአየኩም፤ ቃሉ ድማ ኻብ ማእኸል ሓዊ ኣስምዐኩም።
እንሆ ንሱ ብደመና ኽመፅእ እዩ፤ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎውን ክሪእዎ እዮም፤ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ፥ ብእኡ ምኽንያት ክበኽዩ እዮም። እወ፤ ኣሜን።