8 ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ብሓደ ኾይኖም “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ኢሎም መለሱሉ። ሙሴ ድማ ንቓል እቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር ኣብፅሖ።
ምስቶም ኣሕዋትና ዝኾኑ መራሕትን ሓቢሮም ነቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ባርያኡ ሙሴ ገይሩ ዝሃቦም ሕጊ ኣምላኽ ክፍፅሙ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝሃቦም ትእዛዛትን ፍርድታትን ሕግጋትን ኵሉ ኽሕልዉዎን ክፍፅምዎን ማሕላን መርገምን ገበሩ።
ንሙሴ ድማ “ንስኻ ባዕልኻ ተዛረበና፤ ክንሰምዐካ ኢና፤ ግና፥ ምእንቲ ኸይንመውት እግዚኣብሄር ኣይዛረበና” በልዎ።
ሙሴ ድማ መፂኡ ነቶም ህዝቢ፥ ኵሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ኵሉ ሕግጋትን ነገሮም። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ብሓደ ድምፂ “እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ዅሉ ትእዛዛት ንገብር” ኢሎም መለሱሉ።
ነቲ መፅሓፍ ኪዳን ወሲዱ ድማ፥ ዓው ኢሉ ነቶም ህዝቢ ኣንበበሎም። ንሳቶም ከዓ “ኵሉ እግዚኣብሄር ዝበሎ ንገብርን ንእዘዝን” በሉ።
እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝተመልከቶም፥ መከራኦምውን ከም ዝረአየ ምስ ሰምዑ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
እቶም ህዝቢ ድማ ንኢያሱ “ኣይኸውንን፥ ንእግዚኣብሄር ኢና እነምልኽ” በልዎ።
እቶም ህዝቢ ድማ ንኢያሱ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እነምልኽ፥ ንቓሉውን ክንእዘዝ ኢና” በልዎ።