7 ሙሴ ድማ ተመሊሱ ነቶም ዓበይቲ ህዝቢ ፀውዖም፤ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ቓልውን ኣብ ቅድሚኣቶም ተናገረ።
ኪድ ንዓበይቲ እስራኤል ኣኪብካ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ብርግፅ ተመልኪቱኩም እዩ፤ ነቲ ኣብ ግብፂ ዝገፍዑኹም ድማ ሪኡ ኣሎ፤
ሙሴ ድማ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ክዛረቦ ኢሉ ዝለኣኾ ቓልን፥ ብዛዕባ እቲ ግበሮ ኢሉ ዝኣዘዞ ተኣምራትን፥ ንኣሮን ነገሮ።
ሕዚ ኸዓ ኣሕዋተይ፥ ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል፥ ከዘክረኩም እደሊ ኣለኹ። ንሱ ድማ እቲ ዝተቐበልኩምዎን፥ ብእኡ ድማ ፀኒዕኹም እትነብሩ ዘለኹምን እዩ።