6 ንስኻትኩም ግና ናይ ካህናት መንግስትን፥ ቅዱስ ህዝብን ክትኮኑኒ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል እትነግሮም ቃል እዙይ እዩ” በሎ።
ኣነ ባርያኻ ድማ ኣብ ማእኸል እዝ ንስኻ ዝሓረኻዮ ህዝቢ፥ ኣብ ማእኸል እዝ ካብ ምብዛሑ ዝተልዓለ ዘይቝፀርን ዘይፅብፀብን ብዙሕ ህዝቢ እየ ዘለኹ።
ህዝብኻ እስራኤል ከዓ ንዘለኣለም ንኣኻ ህዝቢ ኸም ዝኸውን ገበርካ፤ ንስኻ ድማ፥ ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኹ ኾንካሉ።
ይሁዳ መቕደሱ፥ እስራኤል ድማ ግዝኣቱ ኾነ።
ኣስዒቡ ድማ “ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰሚዕኻ፥ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዕ ዝኾነ ኸዓ እንተ ገበርካ፥ ንትእዛዛቱውን ፅን እንተ በልካ፥ ኵሉ ሕግጋቱ ድማ እንተ ሓሊኻ፥ ኣነ እቲ ዘሕውየካ እግዚኣብሄር እየሞ፥ ነቲ ናብ ግብፃውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ፤” በሎም።
“ንስኻትኩም ንኣይ ቅዱስ ህዝቢ ኽትኮኑኒ ኢኹም፤ ስለዙይ ነኽላባት ደኣ ደርቢይዎ እምበር ኣራዊት ዝሰላልዖ ስጋ እንስሳ ኣይትብልዑ።
“ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ ድማ ሓደ ገይፂ ግበር። ኣብኡ ኸዓ ኸም ቅርፂ ማሕተም ጌርካ፥ ‘ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ’ ዝብል ፀሓፈሉ።
“ኣብ ኣዒንተይ ብሉፅን ክቡርን ስለ ዝኾንካን፥ ስለ ዘፍቀርኩኻን፥ ክንዲ ኽንዳኻ ሰባት፥ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ።
ንስኻትኩም ግና “ካህናት እግዚኣብሄር” ተብሂልኩም፥ ክትስመዩ ኢኹም፤ ሰብ ከዓ “ኣገልገልቲ ኣምላኽና” ኽብለኩም እዩ፤ ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ፥ ብኽብሮም ድማ ኽትከብሩ ኢኹም።
ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ቅዱስ ህዝቢ” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም። ንስኺውን ተደላይትን ዘይትሕደግን ከተማ፥ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።
“ካህናትን ሌዋውያንን ዝኾኑ ኸዓ፥ ካብኣቶም ክወስድ እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነስ ኵሎም ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ንኣይ ህዝብን ስምን ምስጋናን ክብርን ክኾኑኒ ኢለ፥ ከምታ መዕጠቒት ኣብ ሕቘ ሰብኣይ እትጠብቕ፥ ከምኡ ናባይ ኣጥበቕክዎም፤ ግና ኣይተኣዘዙንን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“እስራኤል፥ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ነበረ፤ በዅሪ ቐውዐይውን ነበረ፤ ኵሎም እቶም ዝበልዕዎ ኸም በደልቲ ይቝፀሩ፤ ክፉእ ነገርውን ክረኽቦም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እኳ ደኣ ‘ቃለይ ስምዑ፤ ኣነ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ህዝበይ ክትኮኑ ኢኹም። ፅቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡ እውን፤ በቲ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም መንገድታት ተመላለሱ’ ኢለ ኣዘዝክዎም።
ንዅሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፥ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ።
ንስኻትኩም ግና ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም፤ ኣነ ኸዓ “ነታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ንርስትኹም ክህበኩም እየ” በልኩኹም። ካብ ህዝብታት ዝፈለኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ኣነ እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ፤ ናተይ ክትኮኑ ኸዓ ኻብ ህዝብታት ፈልየኩም እየ።
እንተ ኾነ ጕድለት ስለ ዘለዎ፥ መቕደሰይ ኣየርክስ፤ ናብ ውሽጢ መጋረጃ ኣይእቶ፤ ናብ መሰውኢውን ኣይቕረብ፤ ነዞም ነገራት እዚኣቶም ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
“ኣነ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኻትኩም ፈለጥኩኹም፤ ስለዙይውን ብሰንኪ ዅሉ ሓጢኣትኩም ክቐፅዐኩም እየ።”
ካብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን፥ መንፈሰይ ኣብ ማእኸልኩም ይነብር ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።
ናብ ሙሴን ኣሮንን ተኣኪቦም መፁ እሞ፥ “ኵሉ እዝ ህዝቢ ቅዱስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእኸሉ እዩ። ስለ ምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ኴንኩም እትዕበዩ? እምብዛ ኣብዚሕኹምዎ” እናበሉ ተፃረርዎም።
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
ዝኾነ ሰብ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ እንተ ኣፍረሰ፥ ንእኡ ድማ እግዚኣብሄር ከፍርሶ እዩ። ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ቅዱስ እዩ፤ እዝ ቤተ መቕደስ እዙይውን፥ ንስኻትኩም ኢኹም።
“ንስኻትኩምስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ህዝቢ ኢኹም እሞ፥ ዝኾነ ሞይቱ ዝተረኽበ ኣይትብልዑ። ኣብ ውሽጢ ኸተማኹም ንዘሎ ስደተኛ ሃብዎ። ንሱ ይብልዓዮ ወይ ናብ ጓና ሽጥዎ። “ንማሕስእ ብፀባ እኖኡ ኣይተብስልዎ።
ንሱ ኸዓ ልዕሊ ዅሎም ዝፈጠሮም ህዝብታት ልዕል ከም ዘብለኩም፥ ንስኻትኩም ከዓ ንስሙ ኽብርን ምስጋናን ከም እተቕርቡ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝበለኩም ድማ ንእኡ ዝተቐደሰ ህዝቢ ኸም እትኾኑ ኣፍለጠኩም።”
“ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሓሊኹም፥ ብመንገዱውን እንተ ኼድኩም፥ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሓለልኩም ንእኡ ዝተቐደሰ ህዝቢ ገይሩ ኸቑመኩም እዩ።
ንስኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ህዝቢ ኢኹም እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ካብ ኵሎም ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ዘለዉ ህዝብታት ፈልዩ፥ ህዝቡ ኽትኮንዎ መረፀኩም።
ነዛ መልእኽቲ እዚኣ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ቅዱሳን ኣሕዋት ክተንብብዋ፥ ብእግዚኣብሄር ኣማሕፅነኩም ኣለኹ።
ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ምእንቲ ኽተቕርቡ፥ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፥ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሃነፁ።
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ ድማ፥ መንግስትን ካህናትን ዝገበረና፥ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።
ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ፥ ብፁዕን ቅዱስን እዩ። እቲ ኻልኣይ ሞት፥ ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን፤ ግና ናይ እግዚኣብሄርን፥ ናይ ክርስቶስን ካህናት ክኾኑ፥ ምስ ክርስቶስውን፥ ሽሕ ዓመት ክነግሱ እዮም።
ንኣምላኽና፥ መንግስትን ካህናትን ገበርካዮም፤ ንሳቶም ድማ፥ ኣብ ምድሪ ኽነግሱ እዮም።”