4 እቲ ኣብ ግብፃውያን ዝገበርክዎን፥ በኽናፍ ንስሪ ፀይረ ናባይ ከም ዘምፃእኹኹምን፥ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኢኹም።
እቶም ንእግዚኣብሄር ተኣማሚኖም ዝፅበዩ ግና፥ ሓይሎም ይሕድሱ፤ ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፤ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፤ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
ኣብ ኵሉ መከራኦም ተጨነቐ፤ መልኣኽ ገፁ ድማ ኣድሓኖም። ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተቤዘዎም፤ ብዝሓለፈ ዘመናት ኵሉ ኣልዓሎምን ተሸከሞምን።
“ንእስራኤል ገና ህፃን እንተሎ ኣፍቀርክዎ፤ ንወደይውን ካብ ግብፂ ፀዋዕኽዎ።
ካብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን፥ መንፈሰይ ኣብ ማእኸልኩም ይነብር ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።
ንዅላትና ሓደ ኣቦዶ ኣይኮነን ዘለና? ዝፈጠረናስ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ናይ ኣቦታትና ቓል ኪዳን ንምርካስ ንስንሳትና ንሓውና እነታልል?
እቲ ቐቅድሜኹም ዝኸይድ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዅሉ ኣብ ግብፂ ኽገብረልኩም ዝረአኹምዎ፥ ክንዳኻትኩም ክዋግአልኩም እዩ።
ሰብ ንወዱ ኸም ዝሕንግሮ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመፁ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ኵሉ ዝኸድኩምዎ መንገዲ ኸም ዝሓንገረኩም ርኢኹም ኢኹም’ በልኩኹም።
እግዚኣብሄር ብዘይ እቲ ኣብ ኮሬብ ምስ ደቂ እስራኤል ዝኣተዎ ኺዳን፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከዓ ንሙሴ ምስኣቶም ክኣቱ ዝኣዘዞ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ።
ሙሴ ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ ንፈርዖንን ንዅሎም ሹመኛታቱን ንዅላ ምድሩን ዝገበሮ ርኢኹም ኢኹም።
“እምበኣርከስ እቲ ዓይንኹም ዝረአዮ ነገር ከይትርስዑ፥ ብዅሉ ናይ ህይወት ዘመንኩም ድማ ኻብ ልብኹም ከይወፅእ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ነፍስኹም ሓልዉ፤ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ድማ መሃርዎም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ተዋጊኡልኩም እዩ፤ ኣብዞም ኵሎም ኣህዛብ እዚኣቶም ከዓ ምእንታኻትኩም ዝገበሮ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኣለኹም።
ነታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ካብ ገፅ እቲ ገበል ርሒቓ፥ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን፥ ኣብኡ ንኽትሕሎ፥ ክንክን ናብ እትረኽበሉ ስፍራ ምእንቲ ኽትነፍር፥ ከም ናይ ዓብዪ ንስሪ፥ ክልተ ኣኽናፍ ተውሃባ።