22 እቶም ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ ኻህናት ድማ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከየጥፍኦም፥ ንርእሶም ይቐድሱ” በሎ።
ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸዓ በጊዕ ፋሲካ ሓረዱ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ሓፈሩ፤ ተቐዲሶም ድማ ዝቃፀል መስዋእቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምፅኡ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ኪድ ውረድ እሞ ንኣሮን ምሳኻ ሒዝካዮ ደይብ። እቶም ካህናትን ህዝብን ግና ምእንቲ ኸየጥፍኦም፥ ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ክድይቡ ኢሎም ወሰን ከይጥሕሱ ኸልክሎም” በሎ።
ሕዚ ድማ ንቓለይ እንተ ተኣዚዝኩም፥ ኪዳነይ እውን እንተ ሓሊኹም፥ ካብ ኵሎም ህዝብታት ሕልፊ ገንዘበይ ክትኮኑኒ ኢኹም። ኵላ ምድሪ እኳ ናተይ እንተ ኾነት፥
ሽዑ ሙሴ ኣጕባዝ ደቂ እስራኤል ሰደደ፤ ንሳቶም ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ፤ ካብ ዝራብዓት ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ኣቕረቡ።
ኣቱም ናይ እግዚኣብሄር ኣቑሑ እትፆሩ፥ ረሓቑ፤ ረሓቑ፤ ካብኡ ውፁ፤ ርኹስ ነገር ከቶ ኣይትንክኡ፤ ካብ ማእኸላ ውፁ፤ ንፁሃትውን ኩኑ።
ካህናት ንኣምላኾም ቅዱሳን ይኹኑ፤ ስም ኣምላኾም እውን ኣየርክሱ። ንሳቶም ነቲ ምግቢ ንኣምላኾም ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእትን ቍርባንን ዘቕርቡ እዮም እሞ፥ ቅዱሳን ይኹኑ።
“ነቶም ህዝቢ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ‘ፅባሕ ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም እሞ ንፅሁ፤ እንበልዖ ስጋ መን ምሃበና? ኣብ ግብፂ ፅቡቕ ነበርና፤ እናበልኩም ብምብካይ ዘጕረምረምኩምዎ፥ እግዚኣብሄር ሰሚዕዎ እዩ፤ እምበኣር እግዚኣብሄር ስጋ ኽህበኩም እዩ እሞ ኽትበልዑ ኢኹም።
ሽዑ ንሽዑ፥ ኣብ ጥቓ እግሩ ወዲቓ ሞተት። እቶም ኣጓብዝ ምስ ኣተዉ፥ ሞይታ ስለ ዝፀንሐቶም ተሸኪሞም ወሲዶም፥ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ።
ሓናንያ እዝ ቓል እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ወዲቑ ሞተ። ኣብቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዑ ዅሎም፥ ዓብዪ ፍርሓት ኮነ።