Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 19:21 - መፅሓፍ ቅዱስ

21 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ውረድ እሞ፥ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ክሪኡ ኽብሉ ናብቲ እምባ ኸይቐርቡ እሞ፥ ብዙሓት ከዓ ኸይጠፍኡስ፥ ኣጠንቅቆም።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 19:21
12 Referencias Cruzadas  

ንሱ ኸዓ “እዛ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ከመይ ኢላ እያ ዘይትቃፀል? እስኪ ነዝ ዓብዪ ትርኢት እዙይ ቅርብ ኢለ ኽርኢ” በለ።


እግዚኣብሄር ድማ “ናብዙይ ኣይትቕረብ፤ እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ፥ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ።


ሰብ ሪኡኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፥ ገፀይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ።


ናብ ቤት እግዚኣብሄር እንትትኣቱ እግርኻ ሓሉ፤ ክፉእ ከም ዝገብሩ ኣይፈልጡን እዮምሞ ኻብ መስዋእቲ ሰነፋት፥ ክትሰምዕ ምቕራብ ይሐይሽ።


“ኣሮንን ደቁን ነቲ መቕደስን ኣቑሑ ዅሉ ንዋያተ ቕድሳቱንውን ሸፊኖም ምስ ወድኡ፥ ካብቲ ሰፈር እንትለዓሉ ድማ፥ ደቂ ቃዓት ክፆሩ ይምፅኡ። ከይሞቱ ግና፥ ነቲ ንዋየ ቅድሳት ኣይንክእዎ። ምፅዋር እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ሓላፍነት ደቂ ቃዓት እዩ።


“ንዓሌታት ቃዓት ካብ ማእኸል ሌዋውያን ኣይተጥፍእዎም፤ ናብ ጥቓ እቲ ቅዱሰ ቅዱሳን ነገር ብምቕራብ ከይሞቱ ኸምዙይ ግበሩሎም፤ ምእንቲ ተቐሲፎም ከይሞቱ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ንነፍሲ ወከፎም ሰስራሖምን ፆሮምን የመልክትዎም።


ግና ምእንቲ ኸይሞቱስ፥ ነቲ ቕዱስ ነገር ንቕፅበት ዓይኒ እኳ እንተ ኾነ ኣትዮም ኣይርኣይዎ።”


ሽዑ ሓዊ ፈሪሕኹም ናብቲ እምባ ስለ ዘይደየብኩም፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ምእንቲ ኽነግረኩም፥ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎኻትኩምን ቆምኩ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በለ፦


ካብ ሰብ ቤት ሳሚስ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝጠመቱ ቐሰፎም፤ ካብቲ ህዝቢ ድማ ኻብ ሓሙሽተ ሽሕ፥ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ስለ ዝቐሰፎ ድማ እቶም ህዝቢ በኸዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos