Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 19:19 - መፅሓፍ ቅዱስ

19 እቲ ድምፂ መለኸት ከዓ የመና ምስ በርትዐን ምስ ፀንዐን፥ ሙሴ ተዛረበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ብድምፂ መለሰሉ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 19:19
9 Referencias Cruzadas  

“ናብ ልዕሊ እምባ ሲና ወረድካ፤ ካብ ሰማይ ድማ ተዛረብካዮም። ቅኑዕ ዝኾነ ፍርድታትን ሕግጋትን፥ ፅቡቕ ስርዓታትን ትእዛዛትን ከዓ ሃብካዮም።


ብመከራኻ ፀዋዕኻኒ፤ ኣድሓንኩኻውን፤ ብዝተሰወረ ኣውሎ መለስኩልካ፤ ኣብ ማይ መሪባ ፈተንኩኻ።


ሓደ እኳ ብኢድ እንተ ነኽኦ ብእምኒ ተቐጥቂጡ ወይ ከዓ ብፍላፃ ይቀተል፤ ሓደ እኳ ብኢድ ኣይንክኣዮ፤ እንስሳ ይኹን ሰብ ብህይወት ኣይንበር። መለኸት ኣንዊሑ ምስ ተነፍሐ ጥራሕ ናብቲ እምባ ይደይቡ” በሎ።


በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኽወግሕ እንተሎ ኸዓ፥ ነጐድጓድን መብረቕን ከቢድ ደመናን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ እምባ ተርኣየ፤ የመና ብርቱዕ ድምፂ መለኸትውን ተሰምዐ። እቲ ኣብ ሰፈር ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ድማ ተንቀጥቀጠ።


ምስኡ ኣፍ ንኣፍ እየ ዝዛረብ፤ ብስዉር ዘይኮነ ብግልፂ እየ ዝዛረቦ እምበር ብምስላ ኣይኮነን፤ ምስሊ እግዚኣብሄርውን ይርኢ። ከመይከ ኣብ ልዕሊ ባርያይ ሙሴ ንምዝራብ ዘይፈራሕኹም?”


ምእንቲ ኽምህረኩም፥ ካብ ሰማይ ድምፁ ኣስምዐኩም፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ዓብዪ ሓዊ ኣርአየኩም፤ ቃሉ ድማ ኻብ ማእኸል ሓዊ ኣስምዐኩም።


እዘን ትእዛዛት እዚኣተን እግዚኣብሄር ኣብቲ እምባ፥ ኣብ ማእኸል ሓዊን ደመናን ፀልማትን፥ ኮይኑ ዓው ኢሉ ንዅላ ማሕበርኩም ዝተዛረበን እየን፤ ካልእ ኣይወሰኸን። ኣብ ክልተ ፅላት እምኒ ፅሒፉ ኸዓ ንኣይ ሃበኒ።


እቲ ትርኢት፥ ክሳዕ ክንድዙይ ዘፍርሕ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ሙሴ “እፈርሕን እርዕድን ኣለኹ” በለ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios