16 በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኽወግሕ እንተሎ ኸዓ፥ ነጐድጓድን መብረቕን ከቢድ ደመናን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ እምባ ተርኣየ፤ የመና ብርቱዕ ድምፂ መለኸትውን ተሰምዐ። እቲ ኣብ ሰፈር ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ድማ ተንቀጥቀጠ።
ንሰማያት ትሕት ትሕት ኣቢሉ ወረደ፤ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩውን ጣቓ ነበረ።
ክብሪ እግዚኣብሄር ነቲ ቤት እግዚኣብሄር መሊእዎ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደመና ደው ኢሎም ከገልግሉ ኣይከኣሉን።
ንፈሳሲ ዝናም መትረብ ዘቃንዐሉ፥ ንበርቂ ነጐድጓድውን መንገዲ ዝገበረሉ መን እዩ?
ኣምላኽና ኽመፅእ እዩ፤ ስቕውን ኣይብልን፤ ኣብ ቅድሜኡ ዝቃፀል ሓዊ ኣሎ፤ ኣብ ዙርያኡውን ብዙሕ ኣውሎ ኣሎ።
ድምፂ ነጐድጓድካ ብኣውሎ ንፋስ ነበረ። ብርሃን መባርቕ ንዓለም ኣብርሀ፤ ምድሪ ተናወፀትን ኣንቀጥቀጠትን።
ህዝበይ፥ ክነግረካስ ስምዐኒ፤ ኦ እስራኤል ኣሰምዐልካ ኣለኹ።
መባርቕቱ ንዓለም ኣብርሁ፤ ምድሪ ሪኣ ተንቀጥቀጠት።
በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ፥ ናብ እምባ ሲና ኽወርድ እየ እሞ፥ ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለዉ።
ነቶም ህዝቢ ድማ “ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተዳለዉ፤ ናብ ሰበይቲ ኸዓ ኣይትቕረቡ” በሎም።
ሙሴ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ምስ እግዚኣብሄር ክራኸብ፥ ካብ ሰፈር መሪሑ ኣውፅኦ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ደው በሉ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ክዛረበካ እንተለኹ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኽሰምዑ፥ ንሓዋሩ ድማ ምእንቲ ኽኣምኑኻስ፥ እንሆ፥ ኣነ ብኸቢድ ደመና ናባኻ ኽመፅእ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ዘረባ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ነገሮ።
ኵሎም እቶም ህዝቢ ነጐድጓድን መብረቕን ምስ ረአዩ፥ ድምፂ መለኸትውን ምስ ሰምዑ፥ እቲ እምባ ድማ ኽትኪ ምስ ረአዩ፥ ፈሪሖም ኣንቀጥቀጡ፤ ርሕቕ ኢሎም ድማ ቆሙ።
እቲ ህዝቢ ርሕቕ ኢሉ ቖመ፤ ሙሴ ግና ናብቲ እግዚኣብሄር ዘለዎ ፀልማት ቀረበ።
ብድሕሪኡ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ደመና ሸፈኖ፤ ነቲ ድንኳን ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር መልኦ።
ሙሴ ኸዓ በትሩ ናብ ሰማይ ዘርግሐ፤ እግዚኣብሄር ድማ ነጐድጓድን በረድን ሰደደ፤ ሓዊ ኸዓ ናብ ምድሪ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ምድሪ ግብፂ በረድ ኣዝነመ።
ንኣይ ክትፈርሑኒዶ ኣይግብአኩምን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድመይ ዘይትድንግፁ፥ ብሑፃ ገይረ ብናይ ዘለኣለም ትእዛዝ ንኸይሓልፍ ንባሕሪ ደረት ገበርኩሉ፤ ማዕበሉ እኳ እንተ በርትዐ ኣይሓልፎን፤ እንተ ሃመመውን ከቶ ኣይሳገሮን።
እግዚኣብሄር፥ ንቝጥዓ ዝደንጐየ፥ ሓይሉ ድማ ዓብዪ እዩ፤ ነቲ በዳሊ ንፁህ ኢኻ ኣይብልን፤ እግዚኣብሄር ብንፋስ ኣውሎን ብመሸምቦባን መንገዲ ኣለዎ፤ ደመናውን በነንታ እግሩ እዩ።
ንሱ ንመላእኽቱ፥ ብብርቱዕ ድምፂ መለኸት ክልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ንሕሩያቱ፥ ካብ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ካብ ኣርባዕተ መዓዝን ክእክብዎም እዮም።”
ሽዑ ሓዊ ፈሪሕኹም ናብቲ እምባ ስለ ዘይደየብኩም፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ምእንቲ ኽነግረኩም፥ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎኻትኩምን ቆምኩ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በለ፦
እቲ ትርኢት፥ ክሳዕ ክንድዙይ ዘፍርሕ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ሙሴ “እፈርሕን እርዕድን ኣለኹ” በለ።
ብመዓልቲ ጐይታ፥ ብመንፈስ ተመሲጠ ነበርኩ። ብድሕረይ ከዓ፥ ከም ድምፂ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ፤
እታ፥ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ እግዚኣብሄር ተኸፈተት፤ ኣብታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን፥ ታቦት ኪዳኑ ተርኣየ፤ መብረቕን፥ ድምፂ ነጐድጓድን፥ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ብርቱዕ በረድን ድማ ኾነ።
ድሕሪዙይ፥ እንሆ ኣብ ሰማይ፥ ክፉት ኣፍ ደገ ረአኹ። እቲ ኸም መለኸት ዝጥዕም፥ ቅድም ክዛረበኒ እንተሎ ዝሰማዕኽዎ ድምፂ ድማ፥ “ነቲ ብድሕሪ ሕዚ ክኸውን ዘለዎ ነገር ከርእየካስ፥ ነዓ ናብዙይ ደይብ” በለኒ።
ካብቲ ዙፋን ከዓ፥ መብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ወፀ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንውን፥ ሸውዓተ ናይ ሓዊ መብራህትታት ይበርሁ ነበሩ። ንሳቶም ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም።
እቲ መልኣኽ ድማ፥ ነቲ ፅንሃህ ወሲዱ፥ ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ጓህሪ፥ ሓዊ መልኦ፤ ናብ ምድሪ እውን ደርበዮ፤ ነጐድጓድን ድምፅን መብረቕን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከዓ ኾነ።