12 ነቶም ህዝቢ ድማ ብዙርያ እቲ እምባ ወሰን ግበረሎም። ‘ናብቲ እምባ ኸይትድይቡ፥ ወይ ነቲ እግሪ እምባ ኸይትነኽእዎ ተጠንቀቑ’ ድማ በሎም። ነቲ እምባ ዝነኽኦ ዅሉ ብርግፅ ክመውት እዩ።
ፈርዖን ድማ “ሙሴ ኻባይ ኪድ ረሓቕ! መሊስካ ገፀይ ከይትርኢ ተጠንቀቕ። እንሆ በታ ገፀይ እትሪአላ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ውረድ እሞ፥ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ክሪኡ ኽብሉ ናብቲ እምባ ኸይቐርቡ እሞ፥ ብዙሓት ከዓ ኸይጠፍኡስ፥ ኣጠንቅቆም።
ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር “ንስኻ፥ ‘ኣብ ዙርያ እቲ እምባ ወሰን ግበር፤ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እምባ ይኹን’ ኢልካ ስለ ዘጠንቀቕካና፥ እቶም ህዝቢ ናብ እምባ ሲና ኽድይቡ ኣይኽእሉን እዮም” በሎ።
ንስኻ ሙሴ ኸዓ በይንኻ ናባይ ቅረብ፤ ንሳቶም ግና ኣይቕረቡ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ምሳኻ ናባይ ኣይደይቡ” በሎ።
ኣብ ማእኸልኩም መፈንጠር ከይኾኑስ፥ ምስቶም ኣብታ ንስኻትኩም እትኣትዉዋ ምድሪ ዝነብሩ፥ ኪዳን ከይትተኣታተዉ ተጠንቀቑ።
ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኣይደይብ። ኣብ ኵሉ እቲ እምባ ኸዓ ሓደ እኳ ኣይረአ፤ ኣባጊዕን ከፍትን ድማ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ኣይውፈራ” በሎ።
ነቶም ህዝቢ እውን ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፤ ብወሰን እቶም ኣብ ሴይር ዝነብሩ ኣሕዋትኩም፥ ደቂ ኤሳው፥ ክትሓልፉ ኢኹም፤ ንሳቶም ይፈርሑኹም እዮም፤ ግና የመና ተጠንቀቑ።
“እምበኣርከስ እቲ ዓይንኹም ዝረአዮ ነገር ከይትርስዑ፥ ብዅሉ ናይ ህይወት ዘመንኩም ድማ ኻብ ልብኹም ከይወፅእ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ነፍስኹም ሓልዉ፤ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ድማ መሃርዎም።
ንስኻትኩም ኣብቲ ሃልሃል ብዝብል ሓዊ፥ ጣቓ፥ ፀልማት፥ ንፋስ ኣውሎ፥ ድምፂ መለኸትን፥ ቃል ዝስምዐሉ ድምፅን፥ ብኢድ ክድህሰስ ናብ ዝኽእል እምባ ሲና ኣይኮንኩምን በፂሕኩም ዘለኹም። እቶም ዝሰምዕዎውን፥ ወሲኹ ኸይዛረቦም ለመኑ።
እዛ መንገዲ እዚኣ ቕድሚ ሕዚ ኣይሓለፍኩምዋን እሞ፥ እታ እትኸድዋ መንገዲ ንኽትፈልጡ፥ ካብቲ ታቦት ሓደ ኪሎ ሜትር ኣቢልኩም ረሓቑ እምበር ኣይትቕረብዎ።”