8 ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከድሕን ኢሉ፥ ኣብ ፈርዖንን ኣብ ግብፃውያንን ዝገበሮን፥ እቲ ኣብ መንገዲ ዝረኸቦም ኵሉ መከራን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሓኖምን ንሓሙኡ ነገሮ።
ነዝ ወዲ እዙይ እንተይሓዝኩ ኸመይ ገይረ ናብ ኣቦይ ክድይብ እኽእል? እዝ ነቦይ ዝረኽቦ ኽፉእስ ክርኢ ኣይክእልን እየ” በሎ።
“ሕዚ ድማ፥ ኦ ኣምላኽና፥ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ዓቢይን ብርቱዕን እትፍራሕን ኣምላኽ፥ እቲ ንኣናን ንነገስታትናን ንኣሕሉቕናን ንኻህናትናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዝረኸበና መከራ ንእሽተይ ኮይኑ ኣይረአኻ።
ካብ ኢድ ተፃረርቶም ድማ ኣድሓኖም፤ ካብ ኢድ ፀላእቶምውን ኣናገፎም።
ሓይሉ ምእንቲ ኸፍልጥ፥ ስለ ስሙ ኢሉ ኣድሓኖም።
እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም፥ ካብ ኢድ ፀላኢውን ዘድሓኖም ይናገሩ።
ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑ ዅልኹም፥ እግዚኣብሄር ንነፍሰይ ዝገበረላ ኽነግረኩምስ ንዑ ስምዑኒ።
ብመከራኻ ፀዋዕኻኒ፤ ኣድሓንኩኻውን፤ ብዝተሰወረ ኣውሎ መለስኩልካ፤ ኣብ ማይ መሪባ ፈተንኩኻ።
ኦ እግዚኣብሄር! ህዝብኻ ኽሳዕ ዝሓልፍ፥ እቲ ዝተቤዘኻዮ ህዝቢ ኽሳዕ ዝሓልፍ፥ ድንጋፀን ፍርሓትን ሓዞም፤ ብሓይሊ ቕልፅምካ ኸም እምኒ ስቕ በሉ።
ኦ ጐይታ፥ የማነይትኻ ብሓይላ ኸበረት፤ ኦ ጐይታ፥ የማነይትኻ ንፀላኢ ቐጥቀጠቶ።
ኣስዒቦም ከዓ “እቲ ኣብ ጥቓ ስጋ ዝመልአ ቝራዕ ኮፍ ኢልና እንትንበልዕ፥ ዝደለናዮ እንጀራ በሊዕና ኸዓ ኽንፀግብ እንተለና፥ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ እንተንመውት ምሐሸና። ንስኻትኩም ግና ንዅልና ብጥሜት ክትቀትሉና፥ ናብዝ በረኻ እዙይ ኣውፃእኹምና” በልዎም።
ዮቶር፥ ካህን ምድያም ሓሙ ሙሴ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንህዝቡ እስራኤልን ኵሉ ዝገበሮን፥ እግዚኣብሄርውን ካብ ግብፂ ንእስራኤል ከም ዘውፅኦምን ሰምዐ።
እግዚኣብሄር ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ተመልከተ፤ ኩነታቶምውን ፈለጠ።
መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ እሞ፥ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን ከእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ኸጥፍኦም እየ።
ምእንቲ ኸገልግለኒ ድማ ንወደይ ክኸይድ ስደዶ ኢለካ ነይረ፤ ንስኻ ግና ምስዳድ ኣበኻ። እንሆ እምበኣር ኣነ ንበዅሪ ወድኻ ኽቐትሎ እየ።”
ፈርዖን ግና ኣይሰምዐኩምን እዩ። ሽዑ ኣነ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ኽገብር እየ። ንሰራዊተይ፥ ነቶም ህዝበይ ዝኾኑ ደቂ እስራኤል ከዓ፥ ብዓቢዪ ፍርዲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም እየ።
ኢደይ ዘርጊሐ ንደቂ እስራኤል ብሓይለይ ካብ ማእኸሎም ምስ ኣውፃእኹ፥ ሽዑ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም።”
ሙሴ ድማ ኻብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ከምዙይ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ፦ “ሓውካ ዝኾነ ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እቲ ዝረኸበና ዅሉ መከራ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።