6 ንሙሴ ድማ “ኣነ ዮቶር ሓሙኻ ንሰበይትኻን ንኽልቲኦም ደቃን ሒዘ ናባኻ እመፅእ ኣለኹ” ኢሉ ለኣኸሉ።
ዮቶር ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ሙሴን ሰበይቱን፥ ናብቲ ሙሴ ሰፊርዎ ዝነበረ ምድረ በዳ፥ ናብ ጥቓ እምባ እግዚኣብሄር መፀ።
ሙሴ ኸዓ ንሓሙኡ ኽቕበሎ ወፀ፤ ሰገደሉ፤ ሰዓሞውን። ደሓን ምህላዎም ንስንሳቶም ምስ ተጠያየቑ ድማ፥ ናብ ድንኳን ኣተዉ።
ሙሴ ድማ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ፥ ኣብ ኣድጊ ኣቐመጦም። ናብ ምድሪ ግብፂውን ተመለሰ። ነታ ናይ እግዚኣብሄር በትሪ ድማ ብኢዱ ሒዙ ኸደ።