Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 18:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ዮቶር ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ሙሴን ሰበይቱን፥ ናብቲ ሙሴ ሰፊርዎ ዝነበረ ምድረ በዳ፥ ናብ ጥቓ እምባ እግዚኣብሄር መፀ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 18:5
10 Referencias Cruzadas  

ንሱ ድማ ተሲኡ በልዐን ሰተየን እሞ፥ ብሓይሊ እቲ ምግቢ ኽሳዕ እቲ ዝተቐደሰ እምባ እግዚኣብሄር ኮሬብ፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ።


ንሙሴ ድማ “ኣነ ዮቶር ሓሙኻ ንሰበይትኻን ንኽልቲኦም ደቃን ሒዘ ናባኻ እመፅእ ኣለኹ” ኢሉ ለኣኸሉ።


በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ፥ ናብ እምባ ሲና ኽወርድ እየ እሞ፥ ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለዉ።


ካብ ራፊዲም ተልዒሎም ናብ ምድረ በዳ ሲና መፁ። ኣብቲ ምድረ በዳ ኣብ መንፅር እቲ እምባውን ሰፈሩ።


እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ልዕሊ እምባ ሲና፥ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ወረደ። ንሙሴ ድማ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ፀውዖ፤ ሙሴ ኸዓ ደየበ።


ሙሴን ኣገልጋሊኡ ኢያሱን ተልዓሉ፤ ሙሴ ድማ ናብ እምባ እግዚኣብሄር ደየበ።


ሙሴ ድማ ኣባጊዕ ሓሙኡ ዮቶር ካህን ምድያም፥ ይጓሲ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናዀብኰበን ናብ ምድረ በዳ፥ ናብቲ ደብሪ እግዚኣብሄር ተብሂሉ ዝፅዋዕ እምባ ኮሬብ መፀ።


እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ኣነ ብሓቂ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ እዙይ ምልክት ይኹንካ፦ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኻዮ፥ ኣብዝ እምባ እዙይ ንእግዚኣብሄር ክተምልኹ ኢኹም” በሎ።


እግዚኣብሄር ከዓ ንኣሮን “ኪድ እሞ ንሙሴ ኣብ ምድረ በዳ ተራኸቦ” በሎ። ኣሮን ከዓ ኣብቲ እምባ እግዚኣብሄር ከይዱ ተራኸቦ፤ ሰዓሞውን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos