4 “ኣምላኽ ኣቦይ ረድአኒ፤ ካብ ሰይፊ ፈርዖን ኣድሓነኒ” እንትብል ድማ ነቲ ኻልኣይ ወዱ “ኣልኣዛር” ኢሉ ሰመዮ።
ንኣኻ ብዝረድአካ ኣምላኽ ኣቦኻ፥ ብዝባርኸካ ዅሉ ምግባር ብዝኽእል ኣምላኽ፥ ኣብ ላዕሊ ኻብ ሰማይ ብዝርከብ ረድኤት፥ ካብ መዓሙቕ ምድሪ ብዝርከብ በረከት፥ ካብ ማህፀንን ካብ ጡብን ብዝርከብ ምርቓ ኽባርኸካ እዩ።
ሙሴ ንጌርሳምን ንኣልዓዛርን ወለደ፤
ዋና ደቂ ኣልዓዛር ረዓብያ ነበረ፤ ኣልዓዛር ካልኦት ደቂ ኣይነበርዎን፤ ደቂ ረዓብያ ግና እምብዛ ብዙሓት ነበሩ።
ኦ ሓይለይ እግዚኣብሄር፥ እፈትወካ እየ።
ካብ ፀላእተይ ዘናግፈኒ ንሱ እዩ፤ ኣብ ልዕለይ ካብ ዝቖሙ ልዕል ልዕል ተብለኒ፤ ካብ ገፋዒ ሰብ ተድሕነኒ ኢኻ።
ንእግዚኣብሄር ደለኹዎ፤ ንሱውን መለሰለይ፤ ካብ ኵሉ መከራይውን ኣድሓነኒ።
ኣምላኽና መዕቘቢናን ሓይልናን፥ ብዝረኸበና ብርቱዕ መከራውን ረዳኢና እዩ።
ፈርዖን ድማ “ሙሴ ኻባይ ኪድ ረሓቕ! መሊስካ ገፀይ ከይትርኢ ተጠንቀቕ። እንሆ በታ ገፀይ እትሪአላ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ” በሎ።
ፈርዖን ከዓ እዝ ነገርዙይ ሰሚዑ ንሙሴ ኽቐትሎ ደለየ። ሙሴ ግና ኻብ ቅድሚ ንጉስ ሃዲሙ፤ ናብ ምድሪ ምድያም ከደ፤ ኣብኡ ምስ በፅሐ ድማ ኣብ ጥቓ ሓደ ዒላ ኮፍ በለ።
ንሳ ድማ ወዲ ወለደት፤ ሙሴ ኸዓ “ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ” እንትብል ጌርሳም ዝብል ስም ኣውፅአሉ።
ሙሴ ድማ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ፥ ኣብ ኣድጊ ኣቐመጦም። ናብ ምድሪ ግብፂውን ተመለሰ። ነታ ናይ እግዚኣብሄር በትሪ ድማ ብኢዱ ሒዙ ኸደ።
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንፁህ ስለ ዝኾንኩ፥ ንኣኻ ድማ ስለ ዘይበደልኩ፥ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፥ ኣፍ ኣናብስ ዓፀወለይ፤ ንሳቶምውን ኣይጐድኡንን” ኢሉ መለሰሉ።
ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመለሰ ድማ “እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ፥ ካብ ኢድ ሄሮድስን፥ ካብቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዝፅበይዎ ዝነበሩ ዅሉን፥ ከም ዘድሓነኒ ሕዚ ብሓቂ ፈለጥኩ” በለ።
ሙሴ፥ እዝ ዘረባዙይ ምስ ሰምዐ፥ ሃደመ፤ ኣብ ምድሪ ምድያም ድማ፥ ስደተኛ ኾይኑ ተቐመጠ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽልተ ቘልዑ ወለደ።
ግና እቲ ወንጌል ብምልኣት ብኣይ ምእንቲ ኽስበኽ፥ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኽሰምዕዎ፥ ጐይታ ምሳይ ኮይኑ ኣበርትዐኒ፤ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ።
ሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፤ ካብ ስሕለት ሰይፊ ደሓኑ፤ ኣብ ድኻም በርትዑ፤ ኣብ ውግእ ሓየሉ፤ ሰራዊት ፀላእቲ ሰዓሩ፤
ስለዙይ ብትብዓት “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፥ ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?” ንብል።