3 ሽዑ ምስ ክልቲኦም ደቃ ሒዙሉ መፀ። ሙሴ “ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ” ኢሉ ነቲ በዅሪ ወዱ “ጌርሳም” ዝብል ስም ኣውፅአሉ።
ሙሴ ንጌርሳምን ንኣልዓዛርን ወለደ፤
ኣነ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ስደተኛ፥ ከም ኣቦታተይውን ጋሻ እየሞ፥ ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስማዕ፤ ንኣውያተይውን ፅን በሎ፤ ንንብዓተይውን ሸለል ኣይትበሎ።
ንሳ ድማ ወዲ ወለደት፤ ሙሴ ኸዓ “ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ” እንትብል ጌርሳም ዝብል ስም ኣውፅአሉ።
ሙሴ ድማ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ፥ ኣብ ኣድጊ ኣቐመጦም። ናብ ምድሪ ግብፂውን ተመለሰ። ነታ ናይ እግዚኣብሄር በትሪ ድማ ብኢዱ ሒዙ ኸደ።
ሙሴ፥ እዝ ዘረባዙይ ምስ ሰምዐ፥ ሃደመ፤ ኣብ ምድሪ ምድያም ድማ፥ ስደተኛ ኾይኑ ተቐመጠ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽልተ ቘልዑ ወለደ።
እዚኣቶም ኵላቶም ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ሞቱ። ነታ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎምውን ኣይረኸብዋን፤ ግና ብርሑቕ ሪኦም ተሳለምዋ፤ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም፥ ቅቡል ገይሮምዎውን ሓለፉ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝኾንኩም፥ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ፥ ስጋዊ ፍትወት ረሓቑ እናበልኩ፥ እልምነኩም ኣለኹ።
እቶም ደቂ ዳን ድማ ነቲ ፅሩብ ምስሊ ኽሰግዱሉ ኣቖምዎ። ክሳዕ እታ ሃገር ዝተትሓዘትላ መዓልቲ፥ ዮናታን፥ ወዲ ጌርሳም ወዲ ሙሴ፥ ንሱን ዘርኡን ንነገድ ደቂ ዳን ካህናቶም ኮይኖም የገልግልዎም ነበሩ።