11 ግብፃውያን ነቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝፈፀምዎ ግፍዒ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም መሊሱሎም እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዝዓቢ ሕዚ ፈለጥኩ” በለ።
እታ ሰበይቲ ኸዓ ንኤልያስ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከም ዝኾንካ፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ብኣፍካ ሓቂ ኸም ዝኾነ ሕዚ ፈለጥኩ” በለቶ።
ሽዑ ንእማን ምስ ኵሎም ሓሻኽሩ ተመሊሱ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ መፀ፤ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ “እንሆ፥ ሕዝስ እንትርፊ ኣምላኽ እስራኤል ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ፈለጥኩ፤ ሕዚ ኸዓ፥ ካብ ሓሽከርካ ገፀ በረኸት በይዛኻ ተቐበል” በሎ።
እግዚኣብሄር ዓብዪ፥ ምስጋናኡውን ብዙሕ እዩሞ፥ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ዝፍራሕ እዩ።
ኣምላኽና ድማ ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዝዓቢ እዩ እሞ፥ እታ ኣነ ዝሰርሓ ቤትውን ዓባይ እያ።
ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሰራዊቱን ኣብ ዅሉ ህዝቢ ሃገሩን ትእምርትን ተኣምራትን ገበርካ። ንሳቶም ከም ዝገፍዕዎም ፈሊጥካ ነበርካ እሞ፥ ከምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ስምካ ኣፀዋዕኻ።
“ንሳቶምን ኣቦታትናን ግና ተዓበዩ፤ ክሳውዶም ኣትረሩ፤ ንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑን።
“ናብ ሕግኻ ኽትመልሶም ኢልካ ድማ መዓድካዮም። ንሳቶም ግና ተዓበዩ፤ ንትእዛዛትካውን ጠሓሱ። ነቲ ሰብ እንተ ፈፀሞ፥ ህይወት ዝህብ ስርዓታትካ ብምጥሓስ በደሉ፤ ብትዕቢት ዝባኖም መለሱልካ፤ ክሳዶም ኣትሪሮም ድማ ምስማዕ ኣበዩ።
ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዝሰሓቱ ትዕቢተኛታትን ርጉማትን ገሰፅካዮም።
እግዚኣብሄር ዓብዪ ኸም ዝኾነ፥ ጐይታና ኸዓ ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዝበልፅ ፈሊጠ ኣለኹሞ።
ኣቱም ቅዱሳኑ ዅልኹም፥ ንእግዚኣብሄር ኣፍቅርዎ፤ እግዚኣብሄር ንእሙናት ይደልዮም እዩሞ፤ ንዕቡያት ግና ፈፂሙ ይብቀሎም።
እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ እዩ እሞ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ኢኻሞ፤ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲውን የመና ልዕል ልዕል በልካ።
እምበኣርከስ ውግእ ምስ ዘልዕለልና ፀላኢ፥ ንሳቶም ድማ ሓቢሮም ከይወግኡና ኻብ እዛ ምድሪ እውን ከይወፁ፥ ንዑ የመና እንተይበዝሑ ንጣበበሎም” በሎም።
“ነተን ዕብራውያት ኣንስቲ ኽተዋልደአን እንተለኽን፥ ወዲ እንተ ኾይኑ ቕተላኦ፤ ጓል እንተ ኾይና ግና ብህይወት ክትነብር ሕደጋኣ” በለን።
ፈርዖን ድማ “ኵሉ ኻብ ዕብራውያን ዝተወለደ ወዲ ናብ ሩባ ደርቢይዎ፤ ኣጓላት ዝኾና ግና ብህይወት ክነብራ ሕደግወን” ኢሉ ንዅሉ ህዝቡ ኣዘዘ።
ሙሴን ኣሮንን ድማ ኣትዮም ንፈርዖን፥ “ኣምላኽ ዕብራውያን እግዚኣብሄር ‘ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ቅድመይ እትዕበ? ኸገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።
“በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብፂ ኽሓልፍ እየ፤ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኽቐትል እየ። ንዅሎም ኣማልኽቲ ግብፂ ኸዓ ኽቐፅዖም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ንፈርዖንን ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ስዒረ ምስ ከበርኩ ድማ፥ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሪ እቶም ብፅንዕቲ ኢድ ዝወፁ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ገስገሰ።
ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ብቕድስና ኸማኻ ዝኸበረ፥ ብግርማ ኸማኻ ዝተፈርሐ፥ ገባሪ ተኣምራት፥ መን ኣሎ?
ፈርዖን ድማ “እቲ ቓሉ ሰሚዐ ንእስራኤል ዝሰዶምስ፥ እግዚኣብሄር መን እዩ? ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን እየ፤ ንእስራኤል ከዓ ኣይሰዶን እየ” በሎም።
“ደጊም ባዕልቶም ከይዶም ሓሰር ይኣክቡ እምበር፥ ነቶም ህዝቢ ኸም ቀደምኩም፥ ንመስርሒ ጡብ ዝኸውን ሓሰር ኣይትሃብዎም።
“ሕዚ ድማ ኣነ ናቡከደነፆር፥ ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፥ መንገድታቱ ኸዓ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ነቶም ተዓብዮም ዝኸዱ ኸዋርዶም ይኽእል እዩ።”
ግብፃውያን ነቶም እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸሎም ዝቐተሎም ኵላቶም በዅሪታት ይቐብሩ ነበሩ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቶምውን ፈረደ።
ብቕልፅሙ ሓይሊ ገበረ፤ ንዕቡያት ምስ ሓሳብ ልቦም በተኖም።
“እግዚኣብሄር፥ ንዕቡያት ይፃረሮም፤ ንትሑታት ግና፥ ፀጋ ይህቦም” ከም ዝብል፥ ንሱ ኣብዚሑ እዩ ፀጋ ዝህብ።
ከምኡ ኸዓ፥ ኣቱም መንእሰያት፥ ነቶም ኣረጋውያን ተኣዘዝዎም። “እግዚኣብሄር ንዕቡያት ይቃወሞም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።” ከም ዝብል፥ ትሕትና ለቢስኩም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።
ኣይትመክሑ፤ ብትዕቢትውን ኣይትናገሩ፤ ቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ፤ እግዚኣብሄር ኵሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ንግብርታትውን ይመዝን እዩሞ።