10 ቀፂሉ ዮቶር “እቲ ኻብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ፈርዖንን ዘድሓነኩም እግዚኣብሄር ይመስገን። እቲ ንህዝቡ ኻብ ኢድ ግብፃውያን ዘድሓነ እግዚኣብሄር ይመስገን።
እቲ ንፀላእትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝሃበካ ልዑል እግዚኣብሄር ከዓ ቡሩኽ ይኹን” እናበለ ባረኾ። ኣብራም ድማ ኻብ ኵሉ ኣስራት ሃቦ።
“እቲ ሕያዋይነቱን ተኣማንነቱን ካብ ጐይታይ ዘየቋረፀ፥ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ይመስገን። ንኣይ ከዓ እግዚኣብሄር ናብ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ መሪሑኒ” ድማ በለ።
ኣኪማኣስ ድማ ንንጉስ ዓው ኢሉ “ሰላም” በሎ። ብገፁ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ እሞ “እቲ ኣብ ፀላእትኻ ዓወት ዝሃበካ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይባረኽ” በሎ።
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ካብታ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ጀሚረ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዝነብረሉ ቤተ መቕደስ እትስርሐላ ኸተማ ኣይሓረኹን። ሕዚ ግና ስመይ ኣብኡ ክኸውን ንኢየሩሳሌም መሪፀ ኣለኹ፤ ንዳዊትውን ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ክኸውን መሪፀዮ ኣለኹ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ዝተዛረቦ፥ ብኢዱ ኸዓ ዝፈፀሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን።
“ከምቲ ዅሉ ዝተዛረቦ ተስፋ፥ ንህዝቢ እስራኤል ዕረፍቲ ዝሃበ እግዚኣብሄር ይመስገን፤ ካብቲ ዅሉ ብሙሴ ባርያኡ ዝተዛረቦ ፅቡቕ ነገር ዘይተፈፀመ ነገር የለን።
ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም፥ ናይ እስራኤል ኣምላኽ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ኣሜን፤ ኣሜን።
“ንህዝቡ ስለ ዝተመልከቶምን ዝተቤዘዎምን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።
እቲ ብዅሉ መንፈሳዊ በረኸት፥ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና፥ ኣቦ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ።
ስለ እቲ ብኣኻትኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተሓጐስናዮ ታሕጓስ፥ ንኣምላኽ ብዛዕባኻትኩም፥ ከመይ ዝበለ ምስጋና ኢና ኽነቕርብ እንኽእል?
ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሳኡ ህያው ተስፋ ዝሃበና፥ ብብዝሒ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉዱ ዝገበረና፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይባረኽ።
ሳኦል ድማ ንቄናውያን “ንስኻትኩም ንዅሎም ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ምሕረት ጌርኩምሎም ኢኹም እሞ፥ ምስኣቶም ከየጥፍአኩምስ ኪዱ፤ ካብ ማእኸል ኣማሌቃውያን ተፈሊኹም ውፁ” በሎም። ቄናውያን ከዓ ኻብ ማእኸል ኣማሌቃውያን ተፈለዩ።
ሽዑ ዳዊት ንኣቢግያ ከምዙይ በላ፦ “እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትራኸብኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን።