1 ዮቶር፥ ካህን ምድያም ሓሙ ሙሴ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንህዝቡ እስራኤልን ኵሉ ዝገበሮን፥ እግዚኣብሄርውን ካብ ግብፂ ንእስራኤል ከም ዘውፅኦምን ሰምዐ።
ንህዝቡ ብሓጐስ፥ ነቶም ዝተመረፁ ኸዓ ብዕልልታ ኣውፅኦም።
ኣቱም ዘርኢ እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኾነ ኣብርሃም፥ ኣቱም ሕሩያቱ ውሉድ ያእቆብ፥ ዝገበሮ መስተንክር ግብርታቱን ተኣምራቱን፥ ካብ ኣፉ ዝወፀ ፍርዱን ዘክሩ።
ንሓይሊ እግዚኣብሄር መን ክናገር ይኽእል? ንዅሉ ምስጋናኡኸ መን የስምዕ?
ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ትኸብር፤ ገርህታት እዙይ ሰሚዖም ይተሓጐሱ።
ኦ ጐይታ፥ በእዛንና ሰማዕና፤ ኣቦታትናውን፥ እቲ ብዘመኖም፥ ብቐደም ዘመን ዝሰራሕኻዮ ስራሕ ነገሩና።
ናይ እግዚኣብሄር ምስጋናኡን ሓይሉን፥ ዝገበሮ ተኣምራቱን ተናገሩ።
ንኻህን ምድያም ድማ ሸውዓተ ኣጓላት ነበራኦ። ኣባጊዕ ኣቦአን ከስትያ፥ ማይ ቀዲሐን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ።
ናብ ኣቦአን ራጉኤል ምስ ተመልሳ ኸዓ፥ ንሱ “ሎምስ ከመይ ኢልክን ደኣ ቐልጢፍክን መፂእኽን?” በለን።
ሙሴ ድማ ምስ ራጉኤል ክቕመጥ ደለየ። ንሱ ኸዓ ንጓሉ ሲፖራ ሰበይቲ ኽትኮኖ ንሙሴ ሃቦ።
ሙሴ ድማ ኣባጊዕ ሓሙኡ ዮቶር ካህን ምድያም፥ ይጓሲ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናዀብኰበን ናብ ምድረ በዳ፥ ናብቲ ደብሪ እግዚኣብሄር ተብሂሉ ዝፅዋዕ እምባ ኮሬብ መፀ።
ሙሴ ናብ ሓሙኡ ዮቶር ተመሊሱ “ናብቶም ኣብ ግብፂ ዘለዉ ኣሕዋተይ ተመሊሰ፥ ገና ብህይወት እንተ ሃልዮም ክርኢ ክኸይድ ፍቐደለይ” በሎ። ዮቶር ድማ ብሰላም ኪድ በሎ።
ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ።
እዛ ኸተማ እዚኣ፥ እቲ ዅሉ ንኣኣ ዝገበርክዎ ሰናይ ነገር፥ አብ ቅድሚ እቶም ኣህዛብ ምድሪ፥ ንስም ንደስታ ንምስጋና ንኽብሪ ኽትኮነኒ እያ፤ ካብቲ ዅሉ ኣነ ዝህባ ሰናይን ሰላምን ዝተልዓለ ድማ፥ ክፈርሑን ከንቀጥቅጡን እዮም።”
በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝኾኑ ዓሰርተ ሰባት፥ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም ‘እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝኾነ ሰሚዕና ኣለና እሞ፥ ምሳኻትኩም ኽንከይድ ኢና’ ኽብልዎም እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
ሙሴ ኸዓ ንሓው ሰበይቱ፥ ንሖባብ ወዲ ዮቶር ምድያማዊ “ንሕና ናብታ እግዚኣብሄር ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ዘተስፈወና ምድሪ ንኸይድ ኣለና። እግዚኣብሄር ንኣና ንእስራኤላውያን ፅቡቕ ኣተስፍዩና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ፅቡቕ ክንገብረልካ ኢና እሞ ምሳና ኺድ” በሎ።
ናብኣ ምስ በፅሑ፥ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ኣኪቦም፥ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝገበረሎምን ንኣህዛብ ከዓ፥ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ነገርዎም።
ሽዑ ዅሎም እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፤ በርናባስን ጳውሎስን ከዓ፥ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ገይሩ፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ምልክትን ተኣምራትን፥ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከም ዝገበረ ኽነግርዎም እንተለዉ፥ ፅን ኢሎም ይሰምዑ ነበሩ።
እንተ ኾነ፤ ኣህዛብ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽእዘዙ ኢሉ፥ ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዝሰርሖ ዘሎ እንተ ዘይኮይኑ፥ ብኻልእ ኽዛረብ ኣይደፍርን።
እቲ ኻብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም፥ እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀፆ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ከዓ ዝገበርኩምዎ፥ ንሴዎንን ንዓግን ከም ዘጥፋእኹምዎም ሰሚዕና ኢና።
ንሳቶም ከዓ “ንሕና ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ብዛዕባ እቲ ኣብ ግብፂ ዝገበሮ ዅሉን ሰሚዕና ኻብ ርሑቕ ሃገር ዝመፃእና ኢና።
እቶም ደቂ ቄኒ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ይሁዳ ኻብታ ተምሪ ዘለዋ ኸተማ ተልዒሎም ናብታ ብደቡብ ዓራድ ዘላ ምድረ በዳ ይሁዳ ደየቡ። ኣብኡ ኸዓ ምስቲ ህዝቢ ተቐመጡ።
ሔቤር እቲ ቄናዊ ግና ኻብቶም ቄናውያን፥ ደቂ ኦባብ ሓሙ ሙሴ ተፈልዩ፤ ኣብ ጥቓ ቃዴስ፥ ኣብ ፃዕናይም ክሳዕ ዘሎ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ኦም ድንኳኑ ተኸለ።