8 ሽዑ ኣማሌቃውያን ናብ ራፊዲም መፂኦም ምስ እስራኤላውያን ውግእ ገጠሙ።
ተመሊሶም ድማ ናብታ ዓይንሚስፓጥ እትበሃል ቃዴስ መፁ፤ ንዅላ ምድሪ ኣማሌቃውያንን፥ ነቶም ኣብ ሓሴቦን ታማር ዝነበሩ ኣሞራውያንን ከዓ ሰዓርዎም።
ቲምናዕ ድማ ዕቅብቱ ንኤሊፋዝ ወዲ ኤሳው ነበረት እሞ ንኣማሌቅ ወለደትሉ። እዚኣቶም ካብ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው ዝተወለዱ እዮም።
ሹም ቆሬ፥ ሹም ጎቶም፥ ሹም ኣማሌቅ እዮም። እዚኣቶም ሹመኛታት ኤልፋዝ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ዝነብሩ፥ ካብ ዓዳ ዝተወለዱ እዮም።
ሰብ ጌባልን ኣሞናውያንን ኣማሌቃውያንን፥ ፍልስጥኤማውያንን ሰብ ጢሮስን እዮም።
ደቂ እስራኤል ብምሉኦም ካብ ምድረ በዳ ሲን ተልዒሎም፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር ተጕዓዙ። ኣብ ራፊዲም ድማ ሰፈሩ። ዝሰትይዎ ማይ ግና ኣይነበሮምን።
ኣብ ነጌብ ኣማሌቃውያን ኣብ እምባታት ድማ ሄታውያንን ኢያቡሳውያንን ኣሞራውያንን፥ ኣብ ጥቓ ባሕርን ብወገን ዮርዳኖስን ድማ ከነዓናውያን፥ ይነብሩ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።
ንኣማሌቅ እናረአየ ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “ኣማሌቅ ሓለቓ ኣህዛብ ነበረ፤ መወዳእታኡ ግና ንጥፍኣት እዩ።”
ደቂ እስራኤል ዘርኢ ምስ ዘርኡ፥ ምድያማውያን ምስ ኣማሌቃውያንን ምስቶም ደቂ ምብራቕን ኮይኖም ይመፅዎም ነበሩ።
ንሱ ጀግና ነበረ፤ ተዋጊኡ ድማ ንኣማሌቃውያን ሰዓሮም፤ ንእስራኤልውን ካብ ኢድ እቶም ወረርቶም ኣድሓኖም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ‘ደቂ እስራኤል፥ ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ፥ ኣማሌቃውያን ኣብ መንገዲ እናተቓወሙ ስለ ዝተዋግእዎም፥ ንኣማሌቃውያን ክብቀሎም እየ።
ዳዊትን ሰባቱን ድማ ደዪቦም ንጌሹራውያንን ንጌርዛውያንን ንኣማሌቃውያንን ወረርዎም። ንሳቶም ካብ ጥንቲ ኣብታ ኻብታ ንሱር እትወስድ ክሳዕ ምድሪ ግብፂ ዘላ ሃገር ይቕመጡ ነበሩ።
ዳዊትን ሰቡን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ፂቅላግ መፁ። እንሆ ኣማሌቃውያን ንደቡብን ንፂቅላግን ድማ ሓደጋ ኣውዲቖምለን ነበሩ። ንፂቅላግ ከዓ ዘሚቶም ብሓዊ ኣቃፂሎምዋ ነበሩ።