7 ደቂ እስራኤል ንሙሴ ስለ ዝተጓየቑዎን “እግዚኣብሄር ምሳና ኣሎዶ የለን?” ኢሎምውን ንእግዚኣብሄር ስለ ዝተፈታተንዎን፥ እታ ቦታ ማሳን መሪባን ኢሉ ሰመያ።
መሊሶም ኣብ ማይ መሪባ ኣቘጥዕዎ፤ ሙሴውን ካብኣቶም ዝተልዓለ ተቘጥዐ።
ንነፍሶም ምግቢ እናደለዩ፥ ብልቦም ንእግዚኣብሄር ፈተንዎ።
ብመከራኻ ፀዋዕኻኒ፤ ኣድሓንኩኻውን፤ ብዝተሰወረ ኣውሎ መለስኩልካ፤ ኣብ ማይ መሪባ ፈተንኩኻ።
ህዝበይ፥ ክነግረካስ ስምዐኒ፤ ኦ እስራኤል ኣሰምዐልካ ኣለኹ።
ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝተፈታተንዎን፥ ዘቘጥዕዎን፥ ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ልብኹም ኣይተትርሩ።
እቶም ህዝቢ ድማ “እንሰትዮ ማይ ሃበና” ኢሎም ምስ ሙሴ ተጓየቑ። ሙሴ ኸዓ “ስለ ምንታይ ምሳይ ትበኣሱ? ስለ ምንታይከ ንእግዚኣብሄር እትፈታተንዎ?” በሎም።
“ኦ ጐይታ! ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደኣ ፀጋ ረኺበስ፥ በይዛኻ ንስኻ ምሳና ኺድ። እዝ ህዝቢ እዙይ ተሪር ክሳድ እኳ እንተ ኾነ፥ ዓመፃናን ሓጢኣትናን ይቕረ በለልና፤ ርስትኻ ጌርካ ኸዓ ተቐበለና” በለ።
ኣቲ ኣብ ፅዮን እትነብሪ፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ኣብ ማእኸልኪ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ፥ ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።”
ኣሕሉቓ ብጉቦ ይፈርዱ፤ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፤ ነቢያታ ብገንዘብ ይጥንቍሉ፤ ምስ ናይ እዙይ ከዓ “እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእኸልና ኣይኮነን? መዓት ኣይወርደናን እዩ” እናበሉ፥ ብእግዚኣብሄር ይእመኑ።
ኵሎም እቶም ክብረይን ኣብ ግብፅን ኣብ ምድረ በዳን ዝገበርክዎ ተኣምራተይን ዝረአዩ ሰባት፥ ድሮ እኳ ዓሰርተ ሻዕ ስለ ዝፈተኑኒ ቓለይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑ፥
ኣብኡ ደቂ እስራኤል ምስ እግዚኣብሄር ዝተጓየቝሉ ንሱውን ቅዱስ ምዃኑ ዝገለፀሉ፥ እዙይ ማይ መሪባ እዩ።
“ኣብ ማይ መሪባ ኽልቴኹም ንትእዛዘይ ስለ ዝጠሓስኩምዎ፥ ኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ እንተይኣተወ፥ ክመውት እዩ።
እቲ ህዝቢ ኣብ ምድረ በዳ ፂን ኣብ ማይ ጐይቊ ኣብ ልዕለይ ከጕረምርም እንተሎ፥ ክልቴኹም ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣይቐደስኩምንን፤ ነቲ ቓለይውን ጥሒስኩምዎ ኢኹም።” ማይ መሪባ ኣብ ቃዴስ ኣብ ምድረ በዳ ፂን ዝርከብ ዓይኒ ማይ እዩ።
እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።
በታ መዓልቲ እቲኣ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነደድ እዩ፤ ክሓድጎም፥ ገፀይውን ክሓብአሎም እየ፤ ክጠፍኡ ድማ እዮም፤ ብዙሕ ጕድኣትን መከራን ክረኽቦም እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ‘ኣምላኽና ምሳና ስለ ዘየሎዶ ኣይኮነን እዝ ጕድኣት እዙይ ረኺቡና ዘሎ?’ ኽብሉ እዮም።
ንነገድ ሌዊ፦ “ቱሚምካን ኡሪምካን ነቶም ቅዱሳን ሰብካ እዮም፤ ነቶም ኣብ ማሳህ ዝፈተንካዮም፥ ነቶም ኣብ ማይ መሪባ ዝተኸራኸርካዮም እዮም።
ከምቲ ኣብ ማሳህ ዝተፈታተንኩምዎ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይትፈታተንዎ።
“ኣብ ተቤራን ኣብ ማሳሕን ኣብ ምንዮት መቓብርንውን ንእግዚኣብሄር ኣቘጣዕኹምዎ።
ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንደቂ ፍርቂ ነገድ ምናሴን “በዙይ ንእግዚኣብሄር ኣይበደልኩምዎን እሞ፥ እግዚኣብሄር ምሳና ኸም ዘሎ፥ ሎሚ ፈለጥና፤ ሕዚ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ኣድሓንኩምዎም” በሎም።