Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 17:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 እንሆ፥ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ኮሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኰዅሒ ኸዓ ኽትወቕዖ ኢኻ፤ ነቶም ህዝቢ ዘስቲ ማይ ድማ ኻብኡ ኽወፅእ እዩ” በሎ። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 17:6
24 Referencias Cruzadas  

ምስ ጠመዩ ኻብ ሰማይ መና ኣውሪድካ ሃብካዮም፤ ምስ ፀምኡ ኸዓ ኻብ ኰዅሒ ማይ ኣውፃእኻሎም። እታ ንኣኣቶም ክትህቦም ዘተስፈኻዮም ምድሪ ምእንቲ ኽወርስዋ ናብኣ ኽኣትዉ ኣዘዝካዮም።


ኰዅሒ ሰንጠቐ፤ ማያትውን ኣውሓዘ፤ ወሓይዝ ብበረኻ ኸዱ።


ወሓዚ ሩባታት፥ ንኸተማ እግዚኣብሄር፥ ደስ የብላ፤ ልዑል ንመሕደሪኡ ቐደሰ።


ዓይኒ ማያትን ወሓዝትን ሰንጠቕካ፤ ንስኻ ነቶም ኵልሻዕ ዝውሕዙ ሩባታት ኣንቀፅካ።


ንነፍሶም ምግቢ እናደለዩ፥ ብልቦም ንእግዚኣብሄር ፈተንዎ።


ብመከራኻ ፀዋዕኻኒ፤ ኣድሓንኩኻውን፤ ብዝተሰወረ ኣውሎ መለስኩልካ፤ ኣብ ማይ መሪባ ፈተንኩኻ።


ንስኻ ድማ በትርኻ ብኢድካ ኣልዒልካ፥ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሓያ፤ ኽፈሎውን። ደቂ እስራኤል ድማ ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ይሕለፉ።


ኣሮን ከዓ ንዅሉ ማሕበር እስራኤል ምስ ተዛረበ፥ ንሳቶም ገፆም ናብ ምድረ በዳ ኣቢሎም ጠመቱ፤ እንሆ ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ደመና ተርኣየ።


እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብምድረ በዳ፥ ክመርሖም እንተሎ ኣይፀምኡን፤ ማይ ካብ ኰዅሒ ኣውሓዘሎም፤ ኰዅሒ ሰንጢቑውን ኣፍለቐሎም።


“ነታ በትሪ ውሰዳ፤ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ከዓ ነቲ ማሕበር ኣክብዎ፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ነቲ ኰዅሒ ማይ ከፈልፍል ኣዝዝዎ፤ ንስኻውን ካብቲ ኰዅሒ ማይ ኣፈልፍለሎም፤ ነቲ ህዝብን ንኸፍቶምን ከዓ ኣስትዮም” በሎ።


ኢየሱስ ድማ “ውህብቶ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ማይ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ እትፈልጥስ፥ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፤ ንሱ ኸዓ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ” ኢሉ መለሰላ።


ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፥ ንዘለኣለም ኣይፀምእን፤ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ፥ ኣብ ውሽጡ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክኾነሉ እዩ” በላ።


ኵላቶምውን፥ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዝስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኰዅሒ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ እቲ ኰዅሒ እቱይ ከዓ፥ ክርስቶስ እዩ።


ካብ ኮሬብ ብመንገዲ እምባ ሴይር ኣቢልካ ኽሳዕ ቃዴስ በርኔ፥ መንገዲ ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ እዩ።


በቲ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለውዎ፥ ማይ ብዘይብሉ ኣፃምእ፥ ገፊሕን ዘፍርሕን ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፤ ካብ ፅኑዕ ኰዅሒ ድማ ማይ ኣፍለቐልኩም።


መንፈሱን እታ መርዓትን፥ “ነዓ” ይብሉ ኣለዉ፤ እቲ ዝሰምዕውን “ነዓ” ይበል። ዝፀምአ ኸዓ ይምፃእ፤ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos