3 እቶም ህዝቢ ድማ ኣብኡ ማይ ፀሚኦም፥ “ስለ ምንታይ ኢኻ ንሕናን ደቅናን እንስሳናን ብፅምኢ ኽንመውት ካብ ግብፂ ዘውፃእኻና?” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኣጕረምረሙ።
ምስ ጠመዩ ኻብ ሰማይ መና ኣውሪድካ ሃብካዮም፤ ምስ ፀምኡ ኸዓ ኻብ ኰዅሒ ማይ ኣውፃእኻሎም። እታ ንኣኣቶም ክትህቦም ዘተስፈኻዮም ምድሪ ምእንቲ ኽወርስዋ ናብኣ ኽኣትዉ ኣዘዝካዮም።
ዝምህሮም ሰናይ መንፈስካ ሃብካዮም፤ መናውን ካብ ኣፎም ኣየጕደልካን። ምስ ፀምኡ ድማ ማይ ሃብካዮም።
ጠመዩ፤ ፀምኡውን፤ ነፍሶም ኣብ ልዕሊኣቶም ሃለቐት።
ምስኣቶም ድማ ኻልእ ዝዓሌቱ ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ ኸደ፤ ከምኡውን ኣባጊዕን ከፍትን የመና ብዙሓት ጥሪትን ምስኣቶም ወፁ።
ንሙሴ ድማ “ናብዝ ምድረ በዳ ኽንመውት ዘውፃእኻናስ፥ ኣብ ግብፂዶ መቓብር ኣይነበረን እዩ? ኻብ ግብፂ ኣውፂእኻ እንታይ ከም ዝገበርካና ረአ፤
እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሙሴ “እንታይ ክንሰቲ ኢና?” ኢሎም ኣጕረምረሙሉ።
ኵሎም እቶም ክብረይን ኣብ ግብፅን ኣብ ምድረ በዳን ዝገበርክዎ ተኣምራተይን ዝረአዩ ሰባት፥ ድሮ እኳ ዓሰርተ ሻዕ ስለ ዝፈተኑኒ ቓለይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑ፥
ስለ ምንታይ ንኣና ንህዝቢ እግዚኣብሄር ናብዝ ምድረ በዳ እዙይ ኣምፃእኹምና? ንሕናን ከፍትናን ኣብዙይ ምእንቲ ኽንመውት ድዩ?