12 ሙሴ ኣእዳዉ ስለ ዝረብረባ፥ እምኒ ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣቐመጡሉ፤ ሙሴውን ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። ኣሮንን ሆርን ከዓ ሓደ በዙይ፥ ሓደ ኸዓ በቱይ ኮይኖም ነእዳው ሙሴ ይድግፉ ነበሩ። ኣእዳዉ ድማ ፀሓይ ክሳዕ እትዓርብ በርትዓ።
ሰይፍኻ ምዘዝ፤ ነቶም ዘሳጕጉኒ መንገዶም ዕፆ፤ ንነፍሰይውን “መድሓኒኺ ኣነ እየ” በላ።
ሙሴ ኢዱ ኸልዕል እንተሎ እስራኤላውያን ይስዕሩ ነበሩ፤ ሙሴ ኢዱ ኸውርድ እንተሎ ድማ፥ ኣማሌቃውያን ይስዕሩ ነበሩ።
ኢያሱ ድማ ንኣማሌቃውያን ብስሕለት ሰይፊ ሰዓሮም።
ነቶም ዓበይቲ ድማ “ናባኻትኩም ክሳዕ እንምለስ፥ ኣብዙይ ፅንሑና። እንሆ ኸዓ፥ ኣሮንን ሆርን ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ዝኾነ ነገር ዘለዎ ሰብ፥ ናብኣቶም ይኺድ” በሎም።
ንዝደኸማ ኣእዳው ኣበርትዑ፤ ንዝላሕልሑ ኣብራኽ ኣፅንዑ።
ንስኻትኩም ከዓ ብፀሎትኩም ክትድግፉና ይግባእ፤ በቲ ናይ ብዙሓት ፀሎት እንረኽቦ ውህብቶ ፀጋ ድማ፥ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም።
ብኹሉ ፀሎትን ብልመናን ኵልሻዕ ብመንፈስ ፀልዩ። ምስ እዙይውን፥ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብፀሎት ትግሁ።
ገናውን ክሕጐስ እየ፤ እዝ ተግባር እዙይ፥ ብፀሎትኩምን ብረድኤት መንፈስ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ንድሕነተይ ከም ዝኸውን እፈልጥ እየሞ፥
ፀሎት ኣዘውትሩ፤ ኣብ ፀሎትኩም ከዓ፥ ንቑሓትን መመስገንትን ኩኑ።
ኣቱም ኣሕዋትና፥ ምእንታና ፀልዩ።
ስለዙይ፥ ዝደንዘዙ ኣእዳውን ዝደኸሙ ኣብራኽን ኣፅንዑ።
እቲ ዝልምን ግና፥ እንተይተጠራጠረ ብእምነት ደኣ ይለምን፤ እቲ ዝጠራጠር፥ ከምቲ ንፋስ ንየው ነዘው ዘብሎ ማዕበል ባሕሪ እዩ ዝመስል።
ኢያሱ ድማ ዅሎም ደቂ ጋይ ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ነታ ዂናት ዝዘርግሐት ኢዱ ኣይመለሳን።