11 ሙሴ ኢዱ ኸልዕል እንተሎ እስራኤላውያን ይስዕሩ ነበሩ፤ ሙሴ ኢዱ ኸውርድ እንተሎ ድማ፥ ኣማሌቃውያን ይስዕሩ ነበሩ።
ብቐስተይ ዝእመን ኣይኮንኩንሞ፤ ሰይፈይውን ኣየድሕነንን እዩሞ።
ምስ ፀዋዕኩኻ ፀላእተይ ናብ ድሕሪኦም ክምለሱ እዮም፤ በዙይውን ንስኻ ኣምላኸይ ከም ዝኾንካ ፈለጥኩ።
ኢያሱ ኸዓ ኸምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ፤ ምስ ኣማሌቃውያን ከዓ ተዋግአ። ሙሴን ኣሮንን ሆርን ድማ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ደየቡ።
ሙሴ ኣእዳዉ ስለ ዝረብረባ፥ እምኒ ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣቐመጡሉ፤ ሙሴውን ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። ኣሮንን ሆርን ከዓ ሓደ በዙይ፥ ሓደ ኸዓ በቱይ ኮይኖም ነእዳው ሙሴ ይድግፉ ነበሩ። ኣእዳዉ ድማ ፀሓይ ክሳዕ እትዓርብ በርትዓ።
ኢየሱስ፥ እንተይሰልከዩ ዅልሻዕ ክፅልዩ ኸም ዝግብኦም ንኸረድእ፥ ከምዙይ ኢሉ ብምስላ ተዛረቦም፦
ኵሎም ሰብኡት፥ ካብ ኵራን ባእስን ርሒቖም፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ቅዱሳት ኣእዳዎም ኣልዒሎም፥ ክፅልዩ እደሊ ኣለኹ።
እምበኣርከስ ምእንቲ ኽትሓውዩ፥ ንስንሳትኩም ሓጢኣትኩም ተናዘዙ፤ ምእንቲ ንስንሳትኩምውን ፀልዩ። ፀሎት ፃድቕ ሓይሊ ኣለዋ፤ ብዙሕውን ተስልጥ እያ።
ኢያሱ ድማ ዅሎም ደቂ ጋይ ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ነታ ዂናት ዝዘርግሐት ኢዱ ኣይመለሳን።