10 ኢያሱ ኸዓ ኸምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ፤ ምስ ኣማሌቃውያን ከዓ ተዋግአ። ሙሴን ኣሮንን ሆርን ድማ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ደየቡ።
ዓዙባ ምስ ሞተት ከዓ፥ ካሌብ ንኤፍራታ ኣእተዋ እሞ ንሆር ወለደትሉ።
ሙሴ ኢዱ ኸልዕል እንተሎ እስራኤላውያን ይስዕሩ ነበሩ፤ ሙሴ ኢዱ ኸውርድ እንተሎ ድማ፥ ኣማሌቃውያን ይስዕሩ ነበሩ።
ሙሴ ኣእዳዉ ስለ ዝረብረባ፥ እምኒ ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣቐመጡሉ፤ ሙሴውን ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። ኣሮንን ሆርን ከዓ ሓደ በዙይ፥ ሓደ ኸዓ በቱይ ኮይኖም ነእዳው ሙሴ ይድግፉ ነበሩ። ኣእዳዉ ድማ ፀሓይ ክሳዕ እትዓርብ በርትዓ።
ነቶም ዓበይቲ ድማ “ናባኻትኩም ክሳዕ እንምለስ፥ ኣብዙይ ፅንሑና። እንሆ ኸዓ፥ ኣሮንን ሆርን ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ዝኾነ ነገር ዘለዎ ሰብ፥ ናብኣቶም ይኺድ” በሎም።
“እንሆ፥ ኣነ ነቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ባስልኤል፥ ወዲ ኡሪ፥ ወዲ ሆር፥ ሓርየዮ ኣለኹ።
ንስኻትኩምውን፥ ኵሉ ዝኣዘዝኩኹም እንተ ፈፂምኩም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም።
እኖኡ ኸዓ ነቶም መሰለፍቲ “ኵሉ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ” በለቶም።
ከምቲ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከምኡ ሙሴ ንኢያሱ ኣዘዞ፤ ኢያሱውን ከምኡ ገበረ። ንሱ ኻብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ሓደ ነገር እኳ ኣየትረፈን።