1 ደቂ እስራኤል ብምሉኦም ካብ ምድረ በዳ ሲን ተልዒሎም፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር ተጕዓዙ። ኣብ ራፊዲም ድማ ሰፈሩ። ዝሰትይዎ ማይ ግና ኣይነበሮምን።
ሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ባሕሪ ኤርትራ መሪሑ ኣውፅኦም፤ ሱር ናብ ዝተብሃለ ምድረ በዳ ኸዓ ወፁ። ማይ እንተይረኸቡ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ብምድረ በዳ ተጕዓዙ።
ኵሎም ማሕበር እስራኤል ካብ ኤሊም ተልዒሎም፥ ኣብ መንጎ ኤሊምን ሲናን ናብ ዘሎ ሲን ዝበሃል ምድረ በዳ በፅሑ። እዙይ ከዓ ኻብ ምድሪ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ነበረ።
ሽዑ ኣማሌቃውያን ናብ ራፊዲም መፂኦም ምስ እስራኤላውያን ውግእ ገጠሙ።
ካብ ራፊዲም ተልዒሎም ናብ ምድረ በዳ ሲና መፁ። ኣብቲ ምድረ በዳ ኣብ መንፅር እቲ እምባውን ሰፈሩ።
ነቲ ህዝቢ ዝኸውን ማይ ድማ ኣይነበረን፤ ሽዑ እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ተኣከቡ።
እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ምስ ተልዓለ፥ ደቂ እስራኤል ይጐዓዙ ነበሩ፤ እቲ ደመና ኣብ ዝቖመሉ ኸዓ ደቂ እስራኤል ኣብኡ ይሰፍሩ ነበሩ።
ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ ነበሩ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄርውን ይጐዓዙ ነበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ነቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሕልውዎ ነበሩ።