6 ሙሴን ኣሮንን ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤል “እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብፂ ኸም ዘውፅአኩም ሎሚ ምሸት ክትፈልጡ ኢኹም።
ንህዝብኻ ኸም መጓሰ፥ ብኢድ ሙሴን ኣሮንን መራሕኻዮም።
“ህዝበይ ግና ቓለይ ኣይሰምዑንን፤ እስራኤልውን ኣየዳመፁንን።
እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅኦም።
ኣስዒቦም ከዓ “እቲ ኣብ ጥቓ ስጋ ዝመልአ ቝራዕ ኮፍ ኢልና እንትንበልዕ፥ ዝደለናዮ እንጀራ በሊዕና ኸዓ ኽንፀግብ እንተለና፥ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ እንተንመውት ምሐሸና። ንስኻትኩም ግና ንዅልና ብጥሜት ክትቀትሉና፥ ናብዝ በረኻ እዙይ ኣውፃእኹምና” በልዎም።
ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረምኩምዎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ብምሸት ስጋ ኽትበልዑ፥ ብጊሓት ከዓ ምግቢ ኽትፀግቡ ዝህበኩም እግዚኣብሄር እዩ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዘጕረምረምኩምዎ፥ ብእግዚኣብሄር ኢኹም ዘጕረምረምኩም እምበር ብኣና ኣይኮነን። ንሕና ደኣ እንታዎት ኴንና!” በሎም።
እቶም ህዝቢ፥ ሙሴ ኻብ እምባ እንተይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረአዩ፥ ተኣኪቦም ናብ ኣሮን ከዱ እሞ “ነዝ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ ተስእ፤ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ኸዓ ግበረልና” በልዎ።
ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር! ስለ ምንታይ ቍጥዓኻ ኣብዝ ብዓብዪ ሓይልን ብፅንዕቲ ኢድን፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብኻ ዝነድድ?
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እዞም ካብ ግብፂ ዘውፃእኻዮም ህዝብኻ፥ ሓጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፥ ኪድ ውረድ።
ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ።
ህዝበይ ክትኮኑ ኽወስደኩም እየ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ። ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ኣርዑት ግብፃውያን ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።
ሙሴ ኸዓ “እዝ ዅሉ ግብሪ እዙይ ክገብር እግዚኣብሄር ከም ዝለኣኸኒ እምበር ካብ ፍቓደይ ከም ዘይኮነ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም፤
እግዚኣብሄር ሓድሽ ነገር እንተ ገበረ ግና፥ እዚኣቶም ምስ ኵሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ክወርዱ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ እንተ ወሓጠቶም፥ ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ከም ዝነዓቕዎ ኽትፈልጡ ኢኹም” በለ።