4 ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ “እንሆ፥ ኣነ ኻብ ሰማይ እንጀራ ኸዝንመልኩም እየ። እቶም ህዝቢ ብትእዛዘይ ዝኸዱ እንተ ኾይኖምን እንተ ዘይኮይኖምን ምእንቲ ኽፍትኖምስ እናወፁ በብመዓልቱ ነታ ዕለት ዝኣክል ይኣክቡ።
እቶም መዘምራን ብትእዛዝ ንጉስ ተራ ኣገልግሎቶም ስሩዕ ነበረ። እቲ በብመዓልቱ ዝዝምርዎ መዝሙር ከዓ ምዱብ ነበረ።
ምስ ጠመዩ ኻብ ሰማይ መና ኣውሪድካ ሃብካዮም፤ ምስ ፀምኡ ኸዓ ኻብ ኰዅሒ ማይ ኣውፃእኻሎም። እታ ንኣኣቶም ክትህቦም ዘተስፈኻዮም ምድሪ ምእንቲ ኽወርስዋ ናብኣ ኽኣትዉ ኣዘዝካዮም።
ዝምህሮም ሰናይ መንፈስካ ሃብካዮም፤ መናውን ካብ ኣፎም ኣየጕደልካን። ምስ ፀምኡ ድማ ማይ ሃብካዮም።
ለመኑ ብርንሂጎታት ድማ ኣምፅአሎም፤ ብሕብስቲ ሰማይውን ኣፅገቦም።
ንደመና ብላዕሊ ኣዘዘ፤ በርታት ሰማይውን ከፈተ።
ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ሓንቲ ዕንፀይቲ ኣርኣዮ፤ ንሱ ድማ ናብቲ ማይ ደርበያ፤ እቲ ማይ ከዓ ጠዓመ። ኣብኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፤ ኣብኡ ኸዓ ፈተኖም።
ደቂ እስራኤል ድማ ነዙይ ምስ ረአዩ፥ እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይፈለጡ፥ “እዙይ እንታይ እዩ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተጠያየቑ። ሙሴ ኸዓ “እዙይ እግዚኣብሄር ክትበልዕዎ ዝሃበኩም እንጀራ እዩ።
ካብ ምትላልን ሓሰትን ሓልወኒ፤ ፀጊበ ኸይክሕደካ እሞ ‘እግዚኣብሄር መን እዩ?’ ኸይብል፥ ወይ ደኽየ ኸይሰርቕ እሞ ስምካ፥ ስም ኣምላኸይ ከየፅርፍስ፥ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሃበኒ፤ ግና እቲ ዘድልየኒ እንጀራ ሃበኒ።”
ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና፤
ናይ ዕለት ምግብና በብዕለቱ ሃበና።
ኵላቶም ከዓ፥ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ።
ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣቦታትኩም ዘይፈለጥዎ መና ኣብልዐኩም፤ እዙይ ከዓ ምእንቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ሰናይ ክኾነልኩም ኢሉ ኣዋረደኩምን ፈተነኩምን።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፥ ትእዛዛቱ ትሕልዉ እንተ ዄንኩም ወይ ዘይትሕልዉ እንተ ዄንኩም፥ ኣብ ልብኹም ዘሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ክፍትነኩም ኢሉ ብመከራ ኸም ዘሕለፈኩም ዘክሩ።
ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ክፉእ መሲሉ እንተ ተርአየኩም ግና ንመን ከም እተምልኹ፥ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ሰገር ሩባ ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ፥ ወይ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘለኹም ኣማልኽቲ ኣሞራውያን እንተ ኾይኑ፥ ሎሚ ምረፁ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ክነምልኽ ኢና።”