16 እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር ድማ እዙይ እዩ፦ ነፍሲ ወከፍ ዝኣኽሎ ይኣክብ። ነቶም ኣብ ድንኳን ምስኡ ዘለዉውን ብቝፅሮም፤ ንነፍሲ ወከፎም ሓደ ምሸ ይውሰደሎም” በሎም።
ደቂ እስራኤል ድማ ኸምኡ ገበሩ። ገሊኣቶም ብዙሕ ገሊኣቶም ከዓ ውሑድ ኣከቡ።
ብምሸ ሰፈርዎ፤ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝኣኽሎ ደኣ ኣከበ እምበር፥ እቲ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፤ እቲ ውሑድ ዝኣከበ ኸዓ ኣየጕደለን።
ሓደ ምሸ ዓስራይ ኣፍ ናይ ኢፍ እዩ።