1 ኵሎም ማሕበር እስራኤል ካብ ኤሊም ተልዒሎም፥ ኣብ መንጎ ኤሊምን ሲናን ናብ ዘሎ ሲን ዝበሃል ምድረ በዳ በፅሑ። እዙይ ከዓ ኻብ ምድሪ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ነበረ።
እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅኦም።
ክሳዕ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ ኸዓ ሓልውዎ። ሽዑ ዅሉ ህዝቢ እስራኤል ክመሲ እንተሎ ይሕረዱ።
ኤሊም ናብ እትብሃል ቦታ ድማ በፅሑ፤ ኣብኡ ዓሰርተ ኽልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኡ ኸዓ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ።
ደቂ እስራኤል ብምሉኦም ካብ ምድረ በዳ ሲን ተልዒሎም፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር ተጕዓዙ። ኣብ ራፊዲም ድማ ሰፈሩ። ዝሰትይዎ ማይ ግና ኣይነበሮምን።
ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ብሳልሰይቲ ወርሒ፥ በታ መጀመርታ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ሲና መፁ።