8 ብእስትንፋስ ኣፍንጫኻ ማያት ተዀመሩ፤ ወሓዝቲ ኸዓ ኸም መንደቕ ደው በሉ፤ ማይ መዓሙቝ ድማ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ረግአ።
ካብ ተግሳፅ እግዚኣብሄር፥ ካብ መንፈስ እስትንፋስ መዓቱ ዝተልዓለ፥ መዓሙቝ ባሕሪ ተርኣየ፤ መሰረታት ዓለምውን ተቐልዑ።
ንሳቶም ብእስትንፋስ እግዚኣብሄር ይጠፍኡ፤ ብመንፈስ ቍጥዓኡውን ይድምሰሱ።
ንማያት ባሕሪ ኸም ሓርቢ ኣብ ሓደ ይእክቦ፤ ንቓላያትውን ኣብ መዛግብቲ የንብሮም።
ባሕሪ መቒሉ ኣሕለፎም፤ ንማይ ከዓ ኸም ኵምራ ኣቖሞ።
ደቂ እስራኤል ግና ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ምድሪ ሓለፉ፤ እቲ ማይ ከዓ ብየማኖምን ብፀጋሞምን ከም መንደቕ ኮነሎም።
ግና ንሱ ንድኻታት ብፅድቂ ኽፈርድ፥ ነቶም ምስኪናት ምድሪ ኸዓ፥ ብቕንዕና ኽብይን እዩ። ብናይ ኣፉ በትሪ ንምድሪ ኽወቕዓ፥ ብእስትንፋስ ከናፍሩውን፥ ንኽፉኣት ክቐትሎም እዩ።
እንሆ፥ ወረ ሰሚዑ ናብ ሃገሩ ምእንቲ ኽምለስ፥ መንፈስ ክሰደሉ እየ፤ ኣብኡ ኸዓ ብሰይፊ ኸም ዝመውት ክገብሮ እየ’ በልዎ” በሎም።
እምባታት ምስ ረኣዩኻ ኣንቀጥቀጡ፤ ሞገድ ማያት ሓለፈ፤ ቃላይውን ድምፁ ሃበ፤ ኢዱ ኸዓ ንላዕሊ ኣልዓለ።
ነፍራስካ ብባሕሪ፥ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ኣርገፅካ።
ድሕሪዙይ፥ ናይ ዓመፅ ሰብ ክግለፅ እዩ፤ ጐይታ ኢየሱስ ከዓ፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ትንፋስ፥ ከጥፍኦ እዩ። ብግርማ ምፅኣቱውን ክድምስሶ እዩ።
ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ዅላ ምድሪ፥ ዝፆሩ ኻህናት ከብዲ ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፥ እቲ ኻብ ላዕሊ እናወሓዘ ዝወርድ ማይ ዮርዳኖስ ከቋርፅ፥ ከም ኲምሪ ኾይኑ ድማ ኽቝለል እዩ።”
እቲ ኻብ ላዕሊ ዝውሕዝ ዝነበረ ማይ ቆመ። ኣብ ርሑቕ፥ ኣብታ ኣብ ጥቓ ፃርታ ዘላ፥ ኣዳም እትበሃል ከተማ ኸም ኲምራ ኾይኑ ተቘለለ። እቲ ናብ ባሕሪ ዓረባ ናብ ባሕሪ ጨው ዝውሕዝ ዝነበረ ማይ ከዓ ፈፂሙ ኣቋረፀ። እቲ ህዝቢ ድማ ብመንፅር ኢያሪኮ ተሳገረ።